Daily News አደየ

17/05/2025

🤣

15/05/2025

Hi everyone! 🌟 You can support me by sending Stars – they help me earn money to keep making content that you love.

Whenever you see the Stars icon, you can send me Stars.

Debretsion Gebremichael ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዝበፀሐ ፅንተት ንወንበርካ  እልካ  ፅንዓት አትገብረን አሞ 1 Million እተፍፀመን ትብል አለካ ::  ቀይሕ መስመር አዩ  ደን...
16/09/2024

Debretsion Gebremichael
ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዝበፀሐ ፅንተት ንወንበርካ እልካ ፅንዓት አትገብረን አሞ 1 Million እተፍፀመን ትብል አለካ ::  ቀይሕ መስመር አዩ ደንቆሮ ናይ ስልጣን ፅሚኢ ዝስከረካ ኮንካ እምበረ 1 ሚልዮን ኮነ 10 ሺ ብዘየግዲስ ናይ ትግራይ ሂወት ክብር እዩ ::


https://newlinesinstitute.org/wp-content/uploads/Gender-and-Genocide-in-21st-cent-MM_FINAL.pdf

06/09/2024

ውድብ ህወሓት ብደምን አዕፅምትን ናይ ሎምን ናይ ትማልን ጀጋኑ ደቂ ህዝቢ ትግራይ ዝተሃነፀት ውድብ እያ። #ሓቂ:- እንተኾነ ብሰረቅትን መላእ ሰውነቶም ብደም ሰለማውያን ተጋሩ ዝጠልቀዩ ሩሙሳትን ተወሪራ - ካብ ህዝባውነት አውፂኦም ብስም ህዝብን ጀጋኑ ስውአትን እናነገዱላ ፀኒሖም እዬም።

ህወሓት በቶም ሐዚ ዘለው ናይ ስርቂ ጉጅለ አይትውከልን - ብአንፃሩ ብሓላፍነት ዝስመዖምን ነቲ ህዝቢ ከገልግሉ ብዝክእሉ በላሕቲ መናእሰይን ሰብ ሕድርን እናተመረሐት ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ ኮይና ክትቅፅል እያ።

ህወሓት ኣብ ውሻጦኣ ዘለው ሰረቅትን ጉጅለ ስርቅን ኣራጊፋ፣ ነቶም ንስልጣኖም ክብሉ ታሪኻውነት እቲ ውድብ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ዘቅረብዋ ብመንፊት ነፍያ ተወዳዳሪትን ታሪካዊትን ውድብ ኮይና ክትቅፅል ሓላፍነት ኩሉ ትግራዋይ እዩ።

መዓት ሓዬሎማት፣ መዓት ሱሑላት፣ መዓት ኣሉላታት፣ አሸሓት ዬውሃንሳት፣፣ አግአዚታት፣ ማርታት፣ ሚልዬናት ዋዕሮታትን አናብስን ብዕላማ ኣቃሊሳ ናብ ብራኸ ዝወፀት ውድብ ህወሓት፤ ሎሚ ግን ብግላዊ ሃፍትን ስርቅን ዝሃነኑ - ብወ/ሮ ሰራቂትን ብዶ/ር መንቀጥቀጥን ተወኪላ ብጉጅለ ስርቂ አለም ገ/ዋህድ እናተደፈአት ናብ ቀልቀል ፀድፊ በፂሓ ትርከብ።

እንተኾነ ግና በቶም ብሓቂ ንሓቂ ፈተኽ ዘይብል ህዝብና ሎሚ እውን ክትብርኽ እያ።

ካብ ማህደር ቅያ

01/09/2024

ከመ ተጋሩ እስካብ ሐጂ አብ ዕንክልሊ ን ንባዕልና አብ ምዉቅቃስ እና ዘለና :: አብ ኢትዮጵያ ዘሎ ናይ ኦሮሞ ፓለቲካ መራሕቲ ኮነ ተቃወምቲይ ዝደልዩዎ ነገር አንተሃልዩ :: ብአባ ጋዳ ትምራሕ ኢትዮጵያው ክትህሉዉ ምግባር ወይም ሃገረ ኦሮምያ ምምስራት እዩ :: ኩሎም ልህቃ ኦሮሞ ዝሰርሕዎ ዘለዉ :: ብሽም ኢትዮጵያ ንሃገረ ስማልያ ገድፎም ምስ ስማልያ ላንድ እዉን ዝገበርዎ ዘለዉ ናይ ወደብ ስምምዕነት እንተ ሪእካ ፃባሕ :: ኦሮምያ ሕቶ ሃገራዊነት እድሕር አልዕሎም ቅዲሚያ አፍልጦ ዝትህብ ሃገር እንተልያ ስማልያ አያ :: ንዝድማ ብሽም ኢትዮጵያ ምስ ስማልያ ናብ ጦርነት ንክትአቲይ ዝሻባ ሸቡ ዘልዉ :: እዚ ከምዚ ከሎስ ንሕና ተጋሩ ከ እንታይ ክንገብር አለና ሕቶ ሃገር ትግራይ ብከምይ ክነሳክዕ ይግበአና እልካ ምሕታት የዲልይ ?

01/09/2024

1.5M ህዝቢ ጠፊኡ ናይ 30 ዓመት ዝነበረ መሰረታዊ ልምዓት ሃደሽደሽ ኢሉ 150+K ደቂ ኣንስትዮ ተደፊረን ገፅ ሰባት ክሪኣ ኳ ዘይኽእላ፣ ብኣሻሓት ዝቑፀሩ መንእሰይ ውጉኣት TDF ሰኣን መሐከኪ እንዳተሳቓዩ፣ ልዕሊ ፍርቂ ግዝኣት ትግራይ ንፀላኢ ኣረኪቡ መቐለን ዝተወሰና ወረዳታት ሒዙ : ልዕሊ 3M ህዝቢ ካብ መረበቲ ተፍናቅሉ ዘሎ ህዝቢ ሕዙ ነንባዕሉ ዝናቖር ዘሎ ሩሙስ መሪሕነት ህወሓት ከምኡ ውን ሙሁር ትግራይ ኢና ዝበሃሉ ኢሊት ትግራይ ::ተኬ ማኛው
አዚ ከምዚ እናሃለወናስ
ንኹላትና ተወለድቲ ትግራይ፤ ንፅግዕተኝነትን መምለኻይነትን ውልቀ ፖለቲከኛታት ከምኡ እውን ንከባብያውነት ወጊድ ኢልና፤ ማእኸልና ህዝቢ ትግራይን ትግራይን ገይርና፤ ንዘን ዝስዕባ ሕቶታት ምላሽ ንኣልሽ!

ስለምንታይን ብኸመይን እዙይ ኮነ ናብ'ዙይ ወረድና? ስለምንታይን ብኸመይን ካብ ቀንዲ ውራያት ህዝቢ ትግራይን ትግራይን ርሒቕና፤ ኣብ ውሽጣዊ ሕኹትኩት መሪሕነት ሕወሓትን ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚዲያን ተፀመድና? ከም ህዝቢ ቀንዲ ዛዕባታት ትግራይ ሉኣላውነት ትግራይ፣ ምምላስን ምጥያሽን ተመዛበልትን ስዱዳትን፣ ፍትሕን ተሓታትነትን ጀኖሳይድ፣ ሕውየት ትግራይ እናሃለዉ፤ ብኸመይ ኩሉ ዓቕምና ኣብ ምርጋሕ ፖለቲካን ከባብያውነትን ተሰኽተተ? እቱ ኹሉ ኣብ ህዝቢ ትግራይን ትግራይን ሸኺሉ ኣርሒቑ እውን ኣሚቱ ዝነበረ ሕራነን ናህርን ውሽጢ ዓድን ዲያስፖራን ትግራዋይነትን ሃገረ ትግራይን፤ ከመይ ኢሉ ፅግዕተኛን መምለኽን ውልቀ ፖለቲከኛታት ኮይኑ መኸነ?

ኩልና ትግራይ እንብል፤ ኣብ'ዙ ህፁፅ ምላሽ ዘድልዮ ተዃሳሒ ሕቶ ትግራይ ብህድኣት ንሕሰብ ነስተውዕል፤ ኣብ መፍትሒኡ ድማ ማእኸልና ህዝቢ ትግራይን ትግራይን ገይርና አእጃምና ነወፊ! Kassa HaileMariam

Meaza Gidey

Meles Bsrat
Mezeker Abadi Zemo
Getachew K Reda
Tesfay Nigus Raya
Debretsion Gebremichael
Redae W. Halefom

25/08/2024

🔸🔹ብጣዕሚ ዝገርመኒ ነገር ....

🔸ኦሮሚያ ክልተ ዓበይቲ ሓይልታት አለዋ ...

1, ኦህዴድ (ብዓብዪ ዋና ስልጣን ዝሓዘ ውድብ -ፈቲና ፀሊእና ብህዝቢ ኦሮሚያ ዓብዪ ድጋፍ አለዎ እዩ )
2, ኦነግ ( ብህዝቢ ኦሮሞ ብሓይሊ ተፈታውነት ዘለዎ : ናይ ባዕሉ ጦር ዘለዎን እዩ )

🔸ኦህዴድ ብሃፍቲ ኢትዮጵያ ኦሮምያ ምህናፅ ;ንቀፃሊ ሃገርነት ምቹው አጋጣሚታት የዳሉ ... End Goal ያው ሓያል ኦሮምያ ምህናፅ..

🔸ኦነግ እውን ተመሳሳሊ እዩ ዕላምኡ... ክልቲኦም ዘይስማዕምዑሉ ብ ስልጣን ጥራሕ እዩ!

🔸አምሓራውን ክልተ ዓበይቲ ሓይልታት አለዋ

1, ብኣዴን ብ ዓብዩን አብ ፌደራል ዘለው በዓል ስልጣናትን - እኒ ዳንኤል ክብረት ( ሓሽከር ኦሮሞ መሲሉ ጥቕሚ አምሓራ ዝሕሉ : ዋላኳ አብ ፌደራል መንግስቲ መጥቃዕቲ ብፋኖ ተበፀሐ ከምቲ አብ ትግራይ ዝበፀሐ ዓይነት ግፍዒ ከይበፅሕን Conventional war ከይለዓልን Balance ናሓለወ ህዝቢ ከይተጎድአ ክቕፅል ዝገብር ዘሎ ሓይሊ )

2, ፋኖን ቲ ናይ ሚድያ ሓይሎምን (ንኢትዮጵያ ህዝባን አጉቢጥካን ረጊፅካን ብናይ ኢትዮጵያ Resource አምሓራ ምዕባይን ምህናፅን ዕላምኡ ዝገበረ... ተተኻኢሉ ፅንሕ ኢልካ ወደብ ሒዙን ናተይ ዝብለን መሬታት ሒዚ ተገንፂሉ ናይባዕሉ ሀገር ክምስርት ዝደሊ ሓይሊ )

🔸 አብ ክልቲኦም ሓይሊታት ፅቡቕ ምንባብ አሎ እዩ ናይ ዕላማ አፈላላይውን የብሎምን... ብኣዴን ምሳኻ እየ ናበለ ንፌደራል የዳኽም ንህዝቡውን ካብ ኦህዴድ ክመፆ ዝኽእል Conventional war ይሕሉ ፤ ፋኖን ቲ ሚድያኦም ድማ ከምቲ ንሪኦ አብ ልዕሊዐፌደራል መንግስቲ ራዕድ ይፈጥር

🔸 ትግራይና ኸ.....

1, አብ ፈደራል መንግስቲ ተፅዕኖ ዝፈጥርን ካብ ከበድቲ ኩነታት ንትግራይ ክከላኸለላ ዝኽእል ፣ Against ትግራይ ዝኾነ ነገር ክውሰን ተሎ ንፌደራል መንግስቲ ኣእሚኑ አብ ረብሓ ህዝብና ክውዕል ዝገበር ፤ ሓሽከር ዋላ መሲሉ ንጥቕሚ ትግራይ ጠጠው ዝበለ ዋላ ሓደ ውድብ ይኹን ሰብ የለን... ዋላ ምስ አብይ ኮይኖም ስልጣን አለና ዝብሉ አብ ፀለመ ህዝብናን ትግራይናን ጥራሕ እዮም ተፀሚዶም ዘለው(እኒ ሀረገወይን እኒ ነብዩ ስሑልን ምሳሌ እዮም)! ምስኦም ኮይኖም አብይ ጅግና ይብሉናውን ኔሮም! እኒ ገዱ አንዳርጋቸው ግን ገና ጥይት ምስተሰምዐት መንግስቲ ምውቃስ ጀሚሮም ኔሮም!

2, መማረፂ ህዝቢ ትግራይ አብ ፖለቲካውን ህወሓት ፤ አብ ኩናት እውን ህወሓት ጥራሕ ኮይኑ ህዝብናውን አማራፂ ሲኢኑ አብ መንቀራቅሮ አትዮ... ህወሓት እውን አብ ኩናት ይኹን አብ ፖለቲካ ንህዝብና Fail ጌራቶ እያ

🔸አምሓራ ይኹን ኦሮሞ ብክልቲኡ ወገን ናተናበበ ዝሰርሕ ክልተ ሓይሊ ዋላኳ ተሀለዎም አንሕና ግን ሓደ ፅንፊ ጥራሕ ሒዝና ተሪፍና ኢና! ድኹም ፖለቲካዊ ርድኢትን ገና ዘይነቕሐ ህዝቢ ከምዘለና እውን ጋህዲ ኮይኑ እዩ!

🔺እዙይ ከም ትግራይ ቲ ዝደኸመ ፖለቲካዊ ርድኢትን ዘለዎ Failed Generation ገይሩና አሎ...
Chanal 29

09/08/2024

ካብ ታሪክ ንመሃር :: ንትግራይ ዝድልያ ሰላም ህዝብና ናይ መረበቱ ናይ ትግራይ ግዝአታዊ ሓድነት ክምለስ ምግባር :: ንትግራይ አቀድሙ ናይ ትግራይ ፖለትካ ብትግረዋይ ::

23/07/2024

ህልቂት ሑመራ 2ይ፦ ኣስታት 5 ክሳብ 50 ሲቪል ብሚሊሻ ኣምሓራ ተቐቲሎም። ምልሻ ኣምሓራ ንሰላማውያን ሰባት ኣኪቦም ኣብ መዳጎኒ ማእኸል የእትውዎም ነይሮም። ሰባት ኣብ ጎደናታት ወይ ካብ ኣብያተ ማእሰርቲ ምስ ወጹ ይቕተሉ ነበሩ። ድሕሪ ሓደ ሰሙን ሬሳታት ኣብ ገምገም ሓንቲ ቁሸት ሱዳን ኣብ ትሕቲ ሩባ ሑመራ ክሕጸብ ጀሚሩ። ገለ ካብቶም ሬሳታት ብኻራ ወይ ብጥይት ዝተወግአ ቁስሊ ከምዘርኣዩን ገሊኦም ድማ ኣእዳዎም ብድሕሪ ሕቖኦም ተኣሲሮም ከምዝነበሩን ተገሊጹ። ብመሰረት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሑመራ ዝተፈፀመ ህልቂት ጭፍጨፋታት ሓሶት እዩ ምኽንያቱ እቶም ሬሳታት ኣብ ዓውደ ውግእ ክልል ዓፋር ዝተቐትሉ ተጋደልቲ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ኢሉ። ኣብ 9 መዓልትታት እተገብረ ፍፃመ፡ ክሳብ 17 ሓምለ። ግዳያት ነዚ ፍጻመ ጸብጺቦም። 2013
Humera Massacre: 5—50 Civilians were killed by Amhara militia. Amhara militia were rounding up civilians and putting them in detention centers. People were killed in the streets or after being taken out of the prisons. A week later bodies started to wash up on the shores of a Sudanese village down stream of Humera. Some of the bodies showed stab wounds or bullet wounds and some had their hands tied behind their back. According to the Ethiopian government the claims of a massacre in Humera is false as the bodies might have been fighters killed on the battlefield the Afar region. Victims reported this incident. Humera, West Tigray. 16-24 July 2021

21/07/2024

💔Tigray
ህልቂት ሑመራ 2ይ፦ 13 ክሳብ 80 ሲቪል ብሚሊሻ ኣምሓራ ተቐቲሎም። ምልሻ ኣምሓራ ንሰላማውያን ሰባት ኣኪቦም ኣብ መዳጎኒ ማእኸል የእትውዎም ነይሮም። ሰባት ካብ ኣብያተ ማእሰርቲ ምስ ወጹ ተቐቲሎም። ኣብ ገምገም ሓንቲ ሱዳናዊት ቁሸት ኣብ ታሕታይ ሩባ ተከዘ ሬሳታት ክሕጸቡ ጀሚሮም። ገለ ካብቶም ሬሳታት ብኻራ ወይ ብጥይት ዝተወግአ ቁስሊ ከምዘርኣዩን ገሊኦም ድማ ኣእዳዎም ብድሕሪ ሕቖኦም ተኣሲሮም ከምዝነበሩን ተገሊጹ። 28 ሓምለ ክሳብ መጀመርታ ነሓሰ ዝተፈጸመ። ግዳያት ነዚ ፍጻመ ጸብጺቦም። 2013
Humera Massacre: 13—80 Civilians were killed by Amhara militia. Amhara militia were rounding up civilians and putting them in detention centers. People were killed after being taken out of the prisons. Bodies started washing up on the shores of a Sudanese village down stream of Humera. Some of the bodies showed stab wounds or bullet wounds and some had their hands tied behind their back. Victims reported this incident. Humera, West Tigray. Aug 4-8, 2021

13/07/2024

👌ብስሩባ ሰነ 21 አበይ እተወ 🧐

▪ ተሓታትነት ጀኖሳይድ ተረጋጊፁ ህዝቢ ትግራይ ፍትሒ ክረክብን፤ ህዝቢ ትግራይ መፃኢ ዕድሉ ባዕሉ ክውስንን ዝኽእል እንተ ኮይኑ ክንርሶዖ ዘይብልና አብ ልዕለና ዝበፅሐ ግፍዒ ንሰንድ..

Tigray Calendar
___________________
Date: ሓምለ 9, 2016
Greg: Jul 16, 2024
ቅትለት ተጋሩ ኣብ ወልድያ፦ 35 ሲቪላት ተጋሩ ብሚሊሻ ኣምሓራ ተቐቲሎም። ካብ ስዑዲ ዓረብ ዝተመልሱ 35 ተጋሩ ኣብ ከባቢ ወልድያ ኣብ ዝርከብ መፈተሺ ነቑጣ ከምዝተቐትሉ ይግለጽ። ግዳያት ነዚ ፍጻመ ጸብጺቦም። 2013
Woldiya Massacre: 35 Civilians were killed by Amhara militia. It is reported that 35 Tigrayans who returned from Saudi Arabia were killed at a checkpoint near Woldia. Victims reported this incident. Weldiya, North Wello, Amhara. 16 July 2021

Adresse

Frankfurt Am Maincom
Frankfurt
2182MERI

Öffnungszeiten

Montag 09:00 - 17:00
Dienstag 09:00 - 17:00
Mittwoch 09:00 - 17:00
Donnerstag 09:00 - 17:00
Freitag 09:00 - 17:00
Samstag 09:00 - 17:00
Sonntag 09:00 - 17:00

Telefon

+4915770985960

Webseite

Benachrichtigungen

Lassen Sie sich von uns eine E-Mail senden und seien Sie der erste der Neuigkeiten und Aktionen von Daily News አደየ erfährt. Ihre E-Mail-Adresse wird nicht für andere Zwecke verwendet und Sie können sich jederzeit abmelden.

Service Kontaktieren

Nachricht an Daily News አደየ senden:

Teilen