ገ ፀዶ G Xedo

ገ ፀዶ G Xedo Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from ገ ፀዶ G Xedo, Addis Ababa.

ኣረ በይዛኻትኩምዋ ሕደጉ !!ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ጀኖሳይድ ዝፈፀሙ እና ዝጎስጎሱ ዉልቀሰባት ኣብ ክንዲ ናብ ኣለም ኣቐፍ  እስርቤት ናብ ዓዶም መሊሰዮም  ምስዝብል ትቃወም እምብይ ሀምይ ...
12/03/2026

ኣረ በይዛኻትኩምዋ ሕደጉ !!

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ጀኖሳይድ ዝፈፀሙ እና ዝጎስጎሱ ዉልቀሰባት ኣብ ክንዲ ናብ ኣለም ኣቐፍ እስርቤት ናብ ዓዶም መሊሰዮም ምስዝብል ትቃወም እምብይ ሀምይ ኢልካ ትድግፍ።ዓርሰ ቅትልት እዩዋ ሕደጉታ።

ባህላዊ ፖለቲከኛታት ዓድዋንወዲ ጉጅለ ዓድዋ ትህብ ኣምሲልካ ንወዲ ጉጅለ ዓድዋ ትህቦ።ከባብያዊ ጉጅለ ባህላዊ ፖለቲከኛታት
12/03/2026

ባህላዊ ፖለቲከኛታት ዓድዋ

ንወዲ ጉጅለ ዓድዋ ትህብ ኣምሲልካ ንወዲ ጉጅለ ዓድዋ ትህቦ።
ከባብያዊ ጉጅለ ባህላዊ ፖለቲከኛታት

10/03/2026

Trump warns
ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከም ናይ ቬንዝዌላ ፕረዚደንት ኣይነት ኦፐሬሽን ስጉምቲ ክምዝዉሰዶ ትራምፕ ይፍክር ኣሎ።
ሀየ ጽምዶ?

ገፀ- በረከት ባንኩም ታንኩም ኣረኪብካ ህዝብኻ ግዳይ ጀኖሳይድ ክኾንምግባርካ ክይኣክል፥ሕዚ ድማ90 ኩንታል ወርቂ ኣረኪብካ ንህዝብኻ መቅተሊ ድሮን ትሕውል!እሞ ድማ ደሞዝ ከይተኽፈሎ ዝሰርሕ ...
04/03/2026

ገፀ- በረከት

ባንኩም ታንኩም ኣረኪብካ ህዝብኻ ግዳይ ጀኖሳይድ ክኾን
ምግባርካ ክይኣክል፥
ሕዚ ድማ
90 ኩንታል ወርቂ ኣረኪብካ ንህዝብኻ መቅተሊ ድሮን ትሕውል!
እሞ ድማ ደሞዝ ከይተኽፈሎ ዝሰርሕ ዝዝቢ

01/03/2026

ካሊእ ህዝቢ ትግራይ ግዲ ኣሎ እዩ ?
ህዝቢ ትግራይ ማለት መን እዩ?

09/02/2026

ሰበር መግለፂ

ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሳወር ዘሎ ካሊእ ዙር ደማዊ ኲናት ደው ይበል!

ህዝቢ ትግራይን መሪሕ ውድቡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ንሰላም ካብ ዘለዎም ዘይንቕነቕ መትከል ዋጋ እናኸፈሉ እውን እንተኾነ ኩሎም ኣፈላላያት ብዝርርብን ሰለማዊ መንገድን ክፍትሑ ክሰርሑን ክምሕፀኑን ፀኒሖምን ኣለውን። ቅድሚ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ጀኖሳይድ እንትእወጅ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ መፍትሒ ክኾን ከምዘይኽእልን ኩሎም ኣፈላላያት ብሰለማዊ ፓለቲካዊ ዘተ ክፍትሑ ከምዘለዎምን ብምእማን ዘይተሓለለ ፃዕሪ ክገብሩ ፀኒሖም እዮም። ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ እውን እንተኾነ ክባር ዋጋ እናኸፈሉ ንሰላምን ዝርርብን ቀዳምነት ብምሃብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ክፍፀም፣ ፓነል ሕብረት ኣፍሪካ ክፅዋዕን ህልው ኩነታትን ከይድን እቲ ስምምዕ ክግምግም ብተደጋጋሚ ፃውዒት ኣቕሪቦም እዮም።

ብኣንፃሩ ድማ እቲ ብዝወደቦምን ዘዋፍሮምን ዕጡቓት ኣርብዓ ሚኢታዊ ሕገመንግስታዊ ሉእላዊ መሬት ትግራይ ወሪሩ ብምሓዝ ህዝብና ኣብ ማእኸላት መዕቖቢ ክሃልቕ ዝገብር ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝኣተዎ ስምምዕ ብምጥሓስ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝጀመሮ ጀኖሳይድ ዘቐፅሉ ተግባራት ክፍፅም ፀኒሑ እዩ። መቐፀልታ እዚ ተግባሩ ድማ ካብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ሰራዊትን ሰለማዊ ህዝብናን ቶኽሲ ብምኽፋት ብሰማይን መሬትን ብዝፈፀሞ ደብዳብ ሂወት ወገናትና ስኢና ኢና።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕዚ ድማ መጠነ ሰፊሕ ናይ ኣፅዋርን ሰራዊትን ምንቅስቓስ ብምግባር ገዚፍ ወታደራዊ ዓቕሙ ናብ ትግራይ ብምፅጋዕ ናብ ካሊእ ዙር ደማዊ ኩናት ንምእታው ኣብ ምህንዳድ ይርከብ። ህዝቢ ትግራይን መሪሕ ውድቡ ህወሓትን እቲ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተበፅሐ ስምምዕ ዘላቒ ምቁራፅ ቶኽሲ ናብ ዘላቒ ስምምዕ ሰላም ክሰጋገር ብዘይምርብራብ ክቃለሱ ፀኒሖም እዮም። ሕዚ እውን እዚ ሓደገኛ ሳዕቤን ዘለዎ ወታደራዊ ምድላዋት መንግስቲ ኢትዮጵያ ጠጠው ኢሉ፤ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ናብ ልዝብ ክእቶ እምበር ናብ ካሊእ ደማዊ ኩናት ክኣትው ፍፁም ድሌት የብሎምን።

ማሕበረሰብ ዓለም እቲ ብህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ስምምዕ ፕሪቶርያ ክኽበር ዝግበር ዝነበረ ፃውዒት ፀማም እዝኒ ክህቦ ፀኒሑ እዩ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ሕብረት ኣፍሪካን ኣሜሪካን ነቲ ሕዚ ዝምዕብል ዘሎ ኩነታት ኣመልኪቶም ዘውፅእዎ መተሓሳሰቢ ፅቡቕ ጅማሮ ኮይኑ ማሕበረሰብ ዓለም ካብ መተሓሳሰቢ ዝሰገረ ጭቡጥ ምንቅስቓስ ብምግባር እቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሳወር ዘሎ ካሊእ ዙር ደማዊ ኲናት ጠጠው ክብል እጃሞም ክዋፅኡ ከምዝግባእ ክነዘኻኽር ንፈቱ።

ህውሓት
Tigray Phoenix -TP

31/01/2026

ሰበር

29/01/2026

ሓበሬታ

ኣብ ፀለምቲ ሰራዊት ብልፅግና ዝወልዖ ግርጭት እዩ ነይሩ እምበር፤ ኵናት ኣሎ ዝብሃል ሓሶት እዩ

ንዙ ግርጭት ኣመልኪቱ ካብ'ቱ ከባቢ ዝተረኸበ ሓበሬታ ንዙይ ዝስዕብ ይመስል::

እቱ ውሕስንኡ ዘይተሓለወ ቅድም ክብል ናብ ፀለምቲ ክኣቱ ዝተገበረ ህዝቢ፤ ማዕልታዊ ብምምሕዳር ኣምሓራ ይበሳበስ ይእሰር ይጠፍእ ኣሎ:: ሰራዊት ኢትዮጵያን ካልኦት ዝተፈለላለዩ ኣብ'ቱ ከባቢ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ሓይልታት ኣፈፀምቲ እዙ ፋሽስታዊ ተግባር ምምሕድዳር ኣምሓራ እዮም::

ኩነታት ከም'ዙይ እናሃለወ፤ ኣብ'ቱ ከባቢ ብማዕዶ ዘሎ ሰራዊት ትግራይ በብማዕልቱ እዙ ስቅያት ህዝቢ ፀለምቲ መረዳእታታት ይረክብ :: እዙ ኩነታት ዘተሓሳሰቦ ሓላፊ ሎጅስቲክስ ሓደ ክፍለሰራዊት ትግራይ፤ ኣብ ፀለምቲ ካብ ዘለዋ ኮራት ሰራዊት ብልፅግና፣ ደረጀ ናብ ዝብሃል ኣዛዚ እታ ሓንቲ ኮር ስልኪ ደዊሉ:: ንቱ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ፀለምቲ ዝበፅሕ ዘሎ መከራ ኣመልኪቱ ክንዘራረብ ይብሎ::

ደረጀ እውን፤ "መጀመርታ ንላዕሊ ኣፍሊጠ መሊሰ ክድውለልካ" ኢሉ ይምልሰሉ፡፡ ድሕሪ ፍርቂ ሰዓት ደዊሉ ድማ ኣብ ማይዳጉሻ ዝራኸቡሉ ቦታ ነፂሩ "ክትመፅእን ክንዘራረብን ንኽእል" ይብሎ:: እቱ ሓላፊ ሎጂስቲክስ እውን ሓለዋ ሒዙ ናብ'ቱ ዝተበሃሃሉዎ ቦታ ይኸይድ፡፡ ምስ ተራኸቡ ሰላምታ ተለዋዊጦም እናተዘራረቡ እናሃለዉ፤ ንቱ ሓላፊ ሎጂስቲክስ ክሕዝዎ ይፍትኑ:: ንቶም ሓለውቱ ተጋደልቲ ድማ ኢድ ንላዕሊ ይብልዎም፡፡ ኣባላት ሰራዊት ብልፅግና ብረቶም ምዕማር ክጅምሩ እንተለዉ እቶም ሓለዋ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ እውን ክከላኸሉ ይፍትኑ፡፡ ኣብ ጥቓ ሓላፊ ሎጅስትክስ ንዝነበሩ ክልተ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ተኩሶም ምስ ቀተልዎም፤ ድሕር ኢሎም ዝፀንሑ ዝተረፉ ተጋደልቲ ድማ ንቶም ንብፆቶም ዝቐተልዎም ናይ ብልፅግና ወታደራት ኣውዲቖም፤ ንሓገዝ ንዝመፁ ካልኦት እንዳወቅዑን እንዳተዋግኡን፤ ፈንፂሖም ናብ ቦትኦም ተመሊሶም፡፡

ብድሕሪኡ ሰራዊት ብልፅግና ንነዊሕ ሰኣታት ናይ'ቱ ከባቢ ሞባይል ግልጋሎት ዓፅይዎ ነይሩ፡፡ ዙ-23ን ካልእ ከቢድ ኣፅዋራትን ብተኸታታሊ ክሳብ ትማሊ ብበዝሒ ብምትኳስ፤ ከቢድ ውግእ ዝተኻየደ ኣምሲሉ፤ እቱ ልሙድ "ኵናት ጀሚሮምለይ" ዝብል ድራምኡ ብዕሱባቱ እንተይተረፈ ይዋስአሉ ኣሎ፡፡

ብወገን ትግራይ ብድሕሪኡ ዝተውሃበ ግብረመልሲ የለን:: ስለዙይ ኵናት ተወሊዑ እናተብሃለ ብብልፅግናን ሰዓብቱ ዕሱባትን ዝጋዋሕ ዘሎ ኮነ ኢሉ ዝተፍሓሰ ውዲት እዩ:: ናይ'ዙ ውዲት መቐፀልታ እውን ሎማዕልቲ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ከይበርር፣ ከምኡ እውን ኣብ ደቡብ ትግራይ ኣብ ኣላማጣን ካልኦት ከባቢታትን ዝነበረ ሰራዊት ብልፅግና ጠቕሊሉ ክወፅእ ገይሩ ኣሎ::

ንመንግስቲ ትግራይ ሕቶ ኣለኒ፤

1. እዙ ብሰራዊት ብልፅግና ዝተፈጠረ ግርጭት ኣብ ዲያስፖራ ኮይንና እኳ ኣብ'ዙ ኩነታት ካብ ዝተሳተፉ ብጭቡጥ መረዳእታ እናሰማዕናስ፤ ስለምንታይ እዩ ከም መንግስቲ ኣብ እዋኑ ንህዝቢ ትግራይን ማሕበረሰብ ዓለምን ብዕሊ ክተፍልጡ ዘይከኣልኩም? ስለምንታይ ፀላኢን ሰዓብቱ ዕሱባትን ንዙ ኩነታት እናዋለዱ ኣጀንዳ ማሕበራዊ ሚዲያ ገይሮም ህዝቢ ክሻቐል ዕድል ሂብኩምዎም?

2. ከም መንግስቲ እኳ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ፍታሕ ክተምፅኡ፤ ሉኣላዊ መሬት ትግራይ ክተምልሱ ኮነ፤ ዝተመዛበለ ህዝቢ ውሕስና ብዘለዎ ኣፈፃፅማ ናብ መረበቱ ክትመልሱዎ ዘይከኣልኩምስ፤ ብምንታይ ብርኪ መዘና እዩ ሓደ ሓላፊ ሎጂስቲክስ ክፍለሰራዊት ምስ ጀኖሳይደር ሰራዊት ፀላኢ ክራኸብን ፀገም ህዝቢ ፀለምቲ ክደራደርን ፈቲኑ ንባዕሉ ኣብ ኢድ ፀላኢ ወዲቑ መስዋእቲ ዘስዓበ?

ካሳ ሀይለማርያም

20/11/2025

ፅገና ንፅምዶ ዝአመነ ማይ ዘገነ👩‍🔧🔩🪛

18/11/2025

ፅመእዶ ዝአመነ ማይ ዘገነ☠️

02/11/2025

ከኤርትራ ዉግእ እንተዳአ ተጀሚሩ አሰብ ብምሓዝ ጥራሕ አይዉዳን
መንጋጋ ቁጥር 2

30/06/2025

ጀነራል ካብ ኮር ንላዕሊ ድዮም? አታ ብሰሓቅ ክቀትሉና እዮም🙈

Address

Addis Ababa

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ገ ፀዶ G Xedo posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share