02/12/2018
#ቅልጣፈ ኮምፒዩተር (Speed)
====================
ኮምፒዩተርና ሓደ ሶፍትዌር ፕሮግራም ንምኽፋት ነዊሕ ዝጸንሕ ወይ ዝድንጒ እንድሕር ደኣ ኮይኑ ከመይ ጌርና ኢና ዝሓሸ ቅልጣፈ ዘለዎ ክንገብሮ ንኽእል ዝብል ዝተፈላልዩ መንገዲ ተጠቒምና ዝሓሸን ስሉጥ ስራሕ ንምስራሕ ንኽእል ዝብል ንርእ
• ኮምፒዩተርና ፈለማ ስታርት ክገብር ከሎ ካልእ ኣፕሊኬሽን ሶፍትዌር ዘይምኽፋት
• ኮምፒተርና ፈላማ ስታርት ክገብር ከሎ ምስ ኡ ሓቢሮም ዝትስኡ ኣፕሊኬሽናት ኣለው ን ኣብነት ግእዝ፣ስካይፒ፣ኣዶቤ ወዘተ ዲስ ኤብል ምግባር start => run => msconfig => startup tab
• ካብ ሓደ ንላዕሊ ኣብሊኬሽን ኣብ ኮምፒተርና ኣክቲቭ ክኾኑ የብሎምን ማለት ዘይንሰርሐሉ ኣፕሊኬሽን ምዕጻው።
• ዲስክ ክሊን ኣብ ዲፍራግመንት ምግባር ዘየድሊ ፋይላት ኣብ ሪሳይክል ፒን ዘሎ ፋይል ምእላይ
• ዋላሓንቲ ግልጋሎት ዘይንረኽበሉ ኣፕሊኬሽን ሶፍትዌር ካብ ኮምፒዩተርና ምእላይ
• ኣብ ኮምፒዩተርና ዘሎ ዲስክ ፓርቲሽን ክልተ ወይ ሰለስተ ንግበሮ ኣታሓሕዛ ፋይል ንኽጥዕመና እውን ጽቡቕ እዩ
• ፋይልና ኩሉጊዜ ኣብ ደስክቶፕ ኣይነቐምጥ ውሕስነቱ ዝተሓለወ ንምግባር ኣብ ዲ ድራይቭ ምዕቃብ ምኽንያቱ ዊንዶስ ዝኾነ ዓይነት ጸገም ኣብ ዝገጥሞ ዳታና ሓቢሩ ንኸይጠፍእ።
• ኮምፒዩተርና ክዓርፍ ስለዘአዎ ኣብ ዘይትሰርሕሉ ግዜ ሻትዳውን ጌርና ክነጥፈኦ ኣለና
• ኣብ ኮምፒዩተርና ዝተኣከቡ ዶሮና ርሰሓት ብግቡእ ኣሊና ብጽሬት ምሓዝ