05/12/2019
መዓልቲ ጉድኣት ኣካል ብብርኪ ክልል ንመበል 25 ጊዜ ዝኽበር ዘሎ ምዃኑ ቢሮ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይ ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ ፡፡
ምክትል ሓላፊት ቢሮ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይ ክልል ትግራይ ወ/ሮ ንግስቲ ወ/ሩፋኤል ከም ዝበለኦ፡ መዓልቲ ጉድኣት ኣካል ብዓለም ለኸን በሃገር ለኸን ንመበል 28 ጊዜ፣ ብብርኪ ክልል ድማ ንመበል 25 ጊዜ “ተሳትፎ ጉድኣት ኣካልን ኣመራርሖኦምን ብምሕያል ኣጀንዳ ልምዓት 2030 ነዐውት” ብዝብል መሪሕ ቃል ዝኽበር እዩ ኢለን፡፡
ካብ 1992 ኣቆፃፅራ ፈረንጂ ውድብ ሕቡራት መንግስታት 24 ሕዳር ዓለም ለኸ መዓልቲ ጉድኣት ኣካል ኮይኑ ክበዓል እንትእውጅ መሰልን ድሕንነትን ጉድኣት ኣካል ብኹሉ መዳይ ንምርግጋፅ ግንዛበ ሕብረተሰብ ሓፍ ንምባል ዝዓለመ ከም ዝኾነ ወ/ሮ ንግስቲ ኣብሪሀን፡፡
ኣብዚ ሕዚ እዋን ንጉድኣት ኣካል ዘካተተ ስትራቴጂ ፀዲቁ ብዙሓት ዓለም ለኸ ሰነዳትን ኣጀንዳታትን ተቀሪፆም ተግባራዊ ኮይኖም እዮም ዝበላ ወ/ሮ ንግስቲ ብሃገርን ብክልልን እንትርአ ኣብ ሕገመንግስቲ ተኻቲቱ ከቢድ መጉዳእቲ ንዘለዎም ወገናት ኣብ ስራሕ ንምቁፃር ብሲቪል ሰርቪስ መምርሒ ወፅዩ ተግባራዊ እናኾነ ከም ዝርከብ ገሊፀን፡፡
ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ጉድኣት ኣካል ብዙሓት መዕበይ ግንዛበ ስራሕቲ ተሰሪሖም እዮም ለውጥታት እውን እናመፁ እዮም ኢለን፡፡
ኣብቲ በዓል ተረኺቦም መልእኽቲ ዘመሓላለፉ ኣቦወንበር ፎረም ጉድኣት ኣካል ክልል ትግራይ ኣይተ ገ/ኺዳን ሓዱሽ፡ ሎሚ መዓልቲ ዝኽበር መዓልቲ ጉድኣት ኣካል ኣሳታፋይ ዝኾነ ማሕበረሰብ ንምፍጣር ዘላቅን ሰላምን ልምዓት ንምርግጋፅ ኣጀንዳ 2030 ንምዕዋት ዝዓለመ ምዃኑ ኣብ ኣጀንዳ 2030 ዝኾነ ሰብ ንድሕሪት ዘይምለሰሉ እዩ ክብሉ ገሊፆም፡፡
ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ