10/09/2026
መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት ሓድሽ ዓመት 2019 ዓ/ም ካብ ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ - ትእምት
~~~~~~~~~~~~~~~~
ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ንዝርከብ መላእ ህዝብና ፣ ንጅግና ሰራዊት ትግራይን መላእ ማሕበረሰብ ትእምትን ፤ ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ (ት.እ.ም.ት) እንኳዕ ንሓድሽ ዓመት 2019 ዓ/ም ብሰላም ኣብፀሓኩም ኣብፀሓና እናበለ ሰናይ ትምኒቱ ይገልፅ።
ብፍላይ ድማ ትካላዊ ዋንነት ትእምት ንምርግጋፅ ድሕሪ ዝተገበረ ዝተዋደደ ቓልሲ ኣብ ፅቡቕ ብርኪ ኣብ ዝርከበሉ ፤ ኣብ ፅባሕ ምስላጥ መበል 18 ስሩዕ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ትእምት ኮይኑ ሰናይ ትምኒቱ እንትገልፅ ዝለዓለ ታሕጓስ ይስምዖ።
ትእምት ሒዙዎ ዘሎ ኩለመዳያዊ ዓቕሚ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ሕድሕድ ኩባንያታቱ ዝሓዞም ብቑዓት ሰብ ሞያን ውህሉል ትካላዊ ተሞክሮን ማሕበረ-ኢኮኖሚያዊ ሕውየትን ስግግርን ትእምት ኢሉ 'ዉን ትግራይ ኣብ ምርግጋፅ ዝህልዎ ግደ ኣዝዩ ልዑል ብምዃኑ ፤ መደባት ሕውየትን ስግግርን ሓንፂፁን ቕደም ሰዓብ ሰሪዑን ብዝገበሮም ምንቅስቓሳት ኣብ ደዉታ ዝነበራ ትካላት ትእምት ናብ ፍርያት ክኣትዋ ኣኽኢሉ እዩ። ነዚ ድማ መላእ ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ትእምትን ኩባንያታቱን ንዝገበርዎን ዝቕፅልሉ ዘለዉን ዝነኣድ ኣበርክቶ ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ (ትእምት )ዝለዓለ ክብሪ ኣለዎ።
ኩባንያታት ትእምት ካብቲ ዝበፅሓን ትሉም ዕንወትን ጉሕለትን መሊአን ከይሓወያ ንዓሰርተታት ኣሽሓት ሰራሕተኛታት ዕድል ስራሕ ካብ ምፍጣር ብዝሰገረ ፤ ሕግን ስርዓትን ኣኽቢረን ብምንቅስቓስ ፅፉፍ ምሕደራ ሃፍትን ንብረትን ከምኡ እውን ስርዓት ፋይናንስን ኦዲትን ንምትእትታው ኢሉ እውን ትካላዉነት ብቐፃልነት ንምርግጋፅ፤ ብበዓል ሓደራ ቦርድን ዋና ቤት ፅሕፈት ትእምትን ደገፍን ክትትልን እናተገበረለን ኣብ ምንቅስቓስ ይርከባ።
ውፅኢት ቃልስን ረዚን መስዋእትን ዝኾነ ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ (ትእምት) ፤ ክቡር መስዋእቲ ንዝኸፈሉ ጀጋኑና ስድርኦም ኣብ ምሕጋዝ ፣ ጀጋኑ ጉድኣት ኩናት ኣብ ምሕካምን ማሕበረ-ቑጠባዊ ፀገማት ህዝብና ንክፍትሑን ዓበይቲ ስራሕቲ እናወገነ መፂኡን ኣሎን። ብቐፃልነት እውን ቤት ፅሕፈት ምግባረ ሰናይ ትእምት ኩባንያታት ትእምት ብምትሕብባር ዓቕሙ ዝፈቐዶ ከሉ ክዓምም እዩ።
ትእምት ሕዉየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ኣብ ምቅልጣፍ ፣ ማሕበረ-ቁጠባዊ ፀገማት ህዝቢ ትግራይ በብብርኩ ንክፍትሑ ካብ ምርብራብ ብዝሰገረ ፤ ፃውዒት መንግስቲ ትግራይ ተቐቢሉ ብተደጋጋሚ ሰብኣዊ ሓገዛት ብምብፃሕ እጃሙ እናበርከተ ዝመፀን ዘሎን ህዝባዊ ትካል 'ዩ።
ሕዚ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙና ንዘሎ ተፈጥራዊ ሓደጋ ድርቂ ስዒቡ ፤ ምግባረ ሰናይ ትእምት ምስ ኩባንያታት ብምትሕብባር ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 𝟰𝟯𝟰𝟲 ኩንታል ዝተመጣጣነ ቀለብ እንስሳ ብድርቂ ኣዝየን ናብ ዝተጠቕዓ 𝟏𝟑 ጣብያታት ክባፃሕ ምግባሩ ናይዚ መርኣይ እዩ ።
ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ትካላት ትእምት ናብ መዘዉር ለዉጢ ንክኣትዋ ብሓይሊ ሰብ ፣ ቴክኖሎጂ ፣ኣሰራርሓን ኣወዳድባን፣ ኮታስ ብስራሕቲ ዙርያ መለሽ ሪፎርም ንምጥንኻር ጎና ጎኒ ዝግበሩ ዘለዉ ዓበይቲ ፃዕርታት ፤ ምግባረ ሰናይ ትእምት ኩባንያታት ብምትሕብባር ማሕበራዊ ሓላፍነቱ ብስፍሓት ክዋፃእ እዩ።
ጀጋኑ ጉድኣት ኣካልን ሓርበኛታትን ንምሕጋዝ እናገበሮም ዝመፀ ፃዕርታት ብቐፃልነት 'ዉን ቁልፊ ዋኒኑ ገይሩ ክነጥፍ'ዩ ።
ብዋናነት ትካላት ትእምት ካብቲ ብሰንኪ ኲናት ዝበፅሐን ዕንወት ወፂአን ናብ ሕውየት ክሰጋገራን ትእምት ዝሐሸ ቁመና ክህልዎ ዝሕግዙ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ሪፎርምን ምርግጋፅ ትካላዊ ዋንነትን ተጠናኺሮም ንክቕፅሉ ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ብትኹረት ክስራሕ እዩ።
ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ኩሎም ንጥፈታት ትእምትን ኩባንያታቱን ብመንፅር ትግራይ ዘላትሉ ዝተፈለየ መድረኽ ተቓንዩ ንዝሓሸ ኣፈፃፅማ ልዑል ምርብራብ ይግበር ኣሎ።
ህዝቢ ትግራይ ገጢሞሞ ዘለዉ ዙርያ መለሽ ሓደጋታት በዲሁ ንክወፅእ ይገብሮም ኣብ ዘለዉ ዓበይቲ ፃዕርታት ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ (ት.እ.ም.ት) ህዝባውነቱ ዓቂቡን መሪሕ ኮይኑን እጃሙ ብቐፃልነት ከም ዘበርክት በዚ ኣጋጣሚ ደጊሙ የረጋግፅ።
ደጊሙ ፡ ንመላእ ህዝቢ ትግራይ፣ ጅግና ሰራዊት ትግራይን መላእ ሰራሕተኛታትን ኣመራርሓን ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ (ት.እ.ም.ት) እንኳዕ ንሓድሽ ዓመት 2019 ዓ.ም ብሰላም ኣብፀሓኩም እናበለ ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ (ት.እ.ም.ት) ደጊሙ ሰናይ ትምኒቱ ይገልፅ።
ትእምት ንሕዉየትን ዳግመ-ህንፀትን ትግራይ !
ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ ት.እ.ም.ት