Tigrai Chamber of Commerece and Sectorial Association

Tigrai Chamber of Commerece and Sectorial Association The TCCSA is an autonomous, private sector institution, membership based, non-profit oriented and national development targeted organization

ኣብ ሞንጎ ማሕበረሰብ ንግዲ ትግራይን ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስን ኣጋጢሙ ዝነበረ ዘይምርድዳእ ማናጅመንት ደደቢት ማይክሮ ፋይንስን ተወከልቲ ኣመራርሓ ማሕበረሰብ ንግዲ ትግራይን ኣብ ዝተረኸብሉ...
12/08/2025

ኣብ ሞንጎ ማሕበረሰብ ንግዲ ትግራይን ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስን ኣጋጢሙ ዝነበረ ዘይምርድዳእ ማናጅመንት ደደቢት ማይክሮ ፋይንስን ተወከልቲ ኣመራርሓ ማሕበረሰብ ንግዲ ትግራይን ኣብ ዝተረኸብሉ ዝተሳለጠ መድረኽ ዘተ ኣብ ምርድዳእ ተበፂሑ ኢሉ ቤት ምኽሪ ዘፈር ማሕበራት ትግራይ።

እቲ ቤት ምኽሪ ሎሚ ነሓሰ 6/2017 ዓ.ም ከምዝበሎ : ካብ ክልተኣዊ ምውንጃላት ብምርሓቕ ምስ 0 ማይክሮ ፋይናንስን ሓቢርካ ንምስራሕ ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ኣብ ዝሓፀረ ጊዜ ንምፍርራም ኣብ ምርድዳእ ተበፂሑ ኣሎ።

ኣብያተ ምኽሪ ንግድን ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስን ቅድሚ ኲናት ትግራይ ንዝተወሰደ ዕዳ መትሓጃ ብዝምልከት ናብ ውጥጥ ኣትዮም ብመግለፅታት ክካሰሱ ምቕናዮም ይዝከር።

ተጋሩ ሰብሃፍቲ ክንድቲ ኣብ ባንክታት ዝዓቁርዎ ልቓሕ ከምዘይረክቡ ተሓቢሩ።===================================መቐለ፡ ባሕቲ ጥቅምቲ 2012(ጋዜጣ ወይን)- ኣብ ክልልና ዘ...
13/10/2019

ተጋሩ ሰብሃፍቲ ክንድቲ ኣብ ባንክታት ዝዓቁርዎ ልቓሕ ከምዘይረክቡ ተሓቢሩ።
===================================

መቐለ፡ ባሕቲ ጥቅምቲ 2012(ጋዜጣ ወይን)- ኣብ ክልልና ዘለዋ ትካላት ፋይናንስ ንሰብ ሃፍቲትን ነጋዶን ልቓሕ ኣብ ምሃብ ፀገም ከምዘለወን ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን ክልል ትግራይ ኣይተ ኣሰፋ ገ/ስላሰ ሎሚ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ኣብ ትግራይ ዘለዋ ትካላት ፍይናንስ ካብ ዝኾነ ክልል ንላዕሊ ገንዘብ ከምዝዕቆረለን ገሊፆም።

ይኹን እምበር ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ በዓል ሃፍትን ነጋዳይን ግን ልቓሕ ኣብ ምሃብ ዓብዪ ዝኾነ ፀገም ከምዘሎ እዮም ዝገልፁ።

ከም ኣገላልፃ እቶም ፕረዚደንት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራሕ ልዕሊ 19 ቢልዮን ብር ኣብ ባንክታት፡ ተጋሩ ገንዘቦም ዝዓቖሩ እንትኾን ዝውሰድዎ ልቓሕ ግን ካብ ክልተ ቢልዮን ብር ከምዘይበልፅ ኣብሪሆም።

እዚ ድማ ነቲ ኣብ ክልልና ካብ ግዘ ናብ ግዘ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ፍሰት ኢንቨስትመንት ዓብዪ ፅልዋ ከምዘለዎ ኣገንዚቦም።

ብኣንፃሩ ድማ ኣብ ትግራይ ዘለዋ ትካላት ማይክሮፋይናንስን ሕብረት ስራሕ ማሕበርን ብበዝሒ ገንዝብ ይኹን ብተበፃሕነት ዝሐሸ ምንቅስቓስ ከምዘለወን ገሊፆም።

ኣብ ትግራይ ዘለዋ ትካላት ባንክታትን ኢንሹራንስን ገንዘብ ምእካብ ጥራሕ እንተይኮነስ እቲ ዝኣከብኦ ገንዘብ ንሰብ ሃፍቲ ትግራይ ብፍሉይ ትኹረት ሂበን ዝሰርሓሉ መስርሕ ዘመቻችው መድረኽ ካብ 5-6 ሕዳር 2012 ዓ/ም ኩለን ኣብ ትግራይ ጨንፈር ዘለወን ትካላት ፍይናንስ ኣብ ዝተረኸባሉ ዘተ ከምዝካየድ ሓቢሮም።

ካብዚ ብተወሳኺ እቲ መድረኽ ምክክር ኣብ ትግራይ ዘሎ ሕፅረት ግልጋሎት ልቓሕ ካብ ባንክታት ብዘላቕነት ንምፍታሕ ድማ ትግራይ ናይ ባዕላ ባንኪ እተጣይሸሉ ዕድል ንምምችቻው እውን ዘተ ከምዝካየድ ኣይተ ኣሰፋ ንምስንዳእ ጋዜጣ ወይን ገሊፆም::

ኣድማስ የኒቨርስቲ ጨንፈር መቐለ ተመሪቑ!!===============================ኣድማስ ዮኒቨርስቲ ጨንፈር መቐለ ብልዕሊ 150 ሚሊዮን ብር ዘህነፆ   መምሃሪ ህንፃ ተመሪቑ።ብ19...
13/10/2019

ኣድማስ የኒቨርስቲ ጨንፈር መቐለ ተመሪቑ!!
===============================

ኣድማስ ዮኒቨርስቲ ጨንፈር መቐለ ብልዕሊ 150 ሚሊዮን ብር ዘህነፆ መምሃሪ ህንፃ ተመሪቑ።

ብ1991 ዓ.ም ካብ ዝተጣየሹ ውሑዳት ውልቀ ትካላት ሓደ ዝኾነ ኣድማስ ዮኒቨርስቲ ብ2006 ዓ.ም ኩሎም ረቋሒታት ኣማሊኡ ሙሉእ ናይ ዩኒቨርስቲ ፍቓድ ረኺቡ እዮ ።

ኣድማስ ዩኒቨርስቲ ብደረጃ ሃገር 10 ጨናፍርን 60 ናይ ርሕቐት ትምህርቲ ኣተሓባበርቲ ማእኸላት ከፊቱ ልዕሊ 35 ሺሕ ተምሃሮ አብ ምምሃር ይርከብ።

ክሳብ ሕዚ 70 ሽሕ ምሩቓን ብድግሪን ዲፕሎማን ሰርቲፍኬትን ዘመረቐ እንትኾን : ዛጊድ ንልዕሊ 1,700 ዜጋታት ዕድል ስራሕ ፈጢሩ እዩ ።

ኣድማስ ዩኒቨርስቲ ብድረጃ ማስተር

✔ ኣካውንቲንግን ፋይናንስን:
✔ ምሕደራ ፕሮጀክት:
✔ ቢዝነስ ኣድሚኒስትሬሽን

ብደረጃ ዲግሪ ብስሩዕ: ምሸታውን ብርሕቐትን

✔ ኣካውንቲንግን ፋይናንስን
✔ ቢዝነስ ማኔጅመንት
✔ ማርኬቲንግ ማኔጅመንት
✔ ኮምፒተር ሳይንስ
✔ ኢኮኖሚክስ
✔ ኢዱኬሽናል ፕላኒንግ ማናጅመንት
✔ ሩላር ዴቬሎፕመንት
✔ ኣግሪካልቸራል ኢኮኖሚክስ

ብቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን
✔ ሆቴል ማናጅመንት
✔ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ (IT)
✔ ቢዝነስን ፋይናንስን

እናምሃረ ዝርከብ ኣድማስ ዩኒቨርስቲ: ኣብ ሃገረ ሶማሊያ ከተማ ሃርጌሳ ጨንፈር ከፊቱ ኣብ ምምሃር ይርከብ::

ኣብ'ቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ዝተረኸቡ ምክትል ከንቲባ ከተማ መቐለ ኢንጅር ኣርአያ ኣድማስ ኣብ ፅሬት ትምህርቲ ኣድሂቡ ክሰርሕ ድሕሪ ምትሕስሳብ ምምሕዳር ክተማ መቐለ ኣድላዪ ደገፍ ከምዝገብረሉ ኣረጋጊፆም::

ኣብ'ቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ላዕለዎት መራሕቲ ትግራይ: ሰብ ውልቀ ሃፍቲ ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ዕዱማት አጋይሽ ተረኺቦም እዮም ።

ኣብ ዕቋርን ቁጠባን ዘድሃበ መደብ ፕሮግራም ሬድዮ ካብ መፈለምታ ወርሒ መስከረም 2012 ዓ.ም ጀሚሩ ይፍኖ ኣሎ::እቲ መደብ ኩሉ ጊዜ ሮቡዕ ረፋድ ካብ 2:30 ክሳብ 3:30 ይቃላሕ::
11/10/2019

ኣብ ዕቋርን ቁጠባን ዘድሃበ መደብ ፕሮግራም ሬድዮ ካብ መፈለምታ ወርሒ መስከረም 2012 ዓ.ም ጀሚሩ ይፍኖ ኣሎ::

እቲ መደብ ኩሉ ጊዜ ሮቡዕ ረፋድ ካብ 2:30 ክሳብ 3:30 ይቃላሕ::

11/10/2019
02/12/2018

ኣብ ንግዲ ኣተሓሕዛ ደንበኛ ቅድሚት ይስራዕ::

ደንበኛ ንጉስ እዩ ዝበሃል እውን ብዘይምኽንያት ኣይኮነን::

ደንበኛ ንጉስ እዩ::

14/09/2016
14/09/2016

- በኢንዶኔዥያ ጃካርታ ከተማ 31ኛው trade Expo Indonesia 2016 በሚል የንግድ ትርኢት እ.ኤ.አ. ከኦክተበር 12-16/2016 ዓ.ም ድረስ ይዘጋጃል፡፡-

- በሩስያ ሞስኮ ከተማ የሚካሄደው Agrosalon Exhibition 2016 አለምአቀፍ የግብርና ማሽኖች እና ግብዓቶች ላይ ያተኮረ የንግድ ትርኢት እ.ኤ.አ. ከኦክቶበር 4-7፣2016 ዓ.ም ድረስ ይካሄዳል፡፡

- የህንድ አለም አቀፍ የኤሌክትሮኒክስና ኮምፒውተር ሶፍትዌር ኤክስፖርት ፕሮሞሽን ካውንስል ከህንድ መንግስትና ከህንድ ኮሜርስና ኢንዱስትሪ ሚኒስቴር ጋር በመተባበር እ.ኤ.አ. ከፌብራሪ 13-14/2017 ዓ.ም ድረስ INDASOFT IT SHOW በህንድ ሃይድራባድ ከተማ ይዘጋጃል፡፡

በዚህም መሰረት ለመሳተፍ ፍላጎት ያላችሁ እስከ መስከረም 06/01/2009 ዓ.ም አስፈላጊው ፎርማሊቲ በመሙላት መሳተፍ እንደምትችሉ እናሳስባለን፡፡ ለበለጠ መረጃ [email protected] መጠየቅ ትችላላችሁ

ኣብያተ ምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን፣ዘፈር ማሕበራትን ትግራይ ኣብ ሓበራዊ ስራሕቲ ዘትዮም።
13/09/2016

ኣብያተ ምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን፣ዘፈር ማሕበራትን ትግራይ ኣብ ሓበራዊ ስራሕቲ ዘትዮም።

Amen
09/09/2016

Amen

እንኳዕ 2009 ዓ.ም ብሰላም እብፅሐኩም

Address

Mekelle

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Tigrai Chamber of Commerece and Sectorial Association posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share