ሓረግ ተጋሩ ሚድያ

ሓረግ ተጋሩ ሚድያ This media is a media established to overcome the big problem of disabled people and to protect the dignity of disabled people.

በዓል ኣሸንዳን ፍሉይ ፅቡቐን! ትካል ኤድና ፋውንዴሽን ኣብዚ ሎሚ መዓልቲ ንኣካል ጉዳኣት ህፃናት ኣዋልድ ብባህላዊ ኣልባሳትን መጋየፅን ብምኽዳን፣ ኣሸንዳ ብዝወቀበን ብዘሕጎሰን መንገዲ ኣድሚ...
21/08/2026

በዓል ኣሸንዳን ፍሉይ ፅቡቐን!

ትካል ኤድና ፋውንዴሽን ኣብዚ ሎሚ መዓልቲ ንኣካል ጉዳኣት ህፃናት ኣዋልድ ብባህላዊ ኣልባሳትን መጋየፅን ብምኽዳን፣ ኣሸንዳ ብዝወቀበን ብዘሕጎሰን መንገዲ ኣድሚቁዎ ኣሎ።

እተን ህፃናት ብሓጎስ ተወንዚፈን ሰኒቐን ኣብቲ በዓል ዘሕለፍኦ ግዜ፣ ንኹሉ ሰብ ዘበራብርን ንልቢ ዘሞቕን እዩ ። “ክብሪ ተወንዘፍ” ብምባል ነዚ ባህላዊ ክብርን ፍቕርን ንኣሸንዳ ኣብ ድርኡ ኣድሚቀንኦ ውዒለን ኣለዋ።ኣካል ጉዳኣት እውን ኣብ ባህሊ ልዑል ድምቀትን ፅባቀ ከም ዝኾና ዋና ስራሕ መካየዲ ኤድና ፋውንዴሽን ኣይቸ ኣብራሃ ገሊፆም።

ኤድና ፋውንዴሽን ንኸምዚኦም ዝበሉ ህፃናት ብምድጋፍን ሓጎስ ብምፍጣርን ዘርኣዮ ሰናይ ግብሪ ዘመስግንን ዘሕብንን እዩ።

ርሑስ በዓል ኣሸንዳ ንኹልና ይግበረልና

ብኣዳላውነት ፍኖት ተስፋ ኣካል ጉዳኣትን ምብቃዕን ምስ ገባሪ ሰናይ ትካል child fund  ብምትሕብባር ን28 ኣከል ጉድኣትን ንመናእሰይን ንክልተ መዓልቲ ዝፀንሕ ስልጠና ይዋሃብ ኣሎ።ስራሕ...
15/08/2026

ብኣዳላውነት ፍኖት ተስፋ ኣካል ጉዳኣትን ምብቃዕን ምስ ገባሪ ሰናይ ትካል child fund ብምትሕብባር ን28 ኣከል ጉድኣትን ንመናእሰይን ንክልተ መዓልቲ ዝፀንሕ ስልጠና ይዋሃብ ኣሎ።
ስራሕ መካየዲ ፍኖት ተስፋ ኣካል ጉዳኣትን ምብቃዕን ኣይተ ተስፋይ ፀጋይ ከም ዝገለፅዎ ኣካል ጉዳኣት ካብ ተፀባይነትን ኣድልዎን ምግላል ክወፁ ብቀዳምነት ኣብ ባዕልቶም ኣወንታዊ ኣታሓሳስባ ኣብ ሕልነኦም ከማዕብሉ ይግባእ ኢሎም።
ብተወሰኺ ድማ ኩሉ ማሕበረሰብ ንኣካል ጉዳኣት ዝምቹ ናይ ኣታሓሳስባ ከባቢ ከፈጥር ከምዘለዎ ብምግላፅ ኣካል መጉዳእቲ ፀጋንዓቅምን ዳኣምበር ፀገም ከምዘይኾነ ማሕበረሰብ ተረዲኡ ኣካል ጉዳኣት ኣብ ኩለመዳይ ምንቅስቃስ ልምዓት ተሳተፍቲ ንክኾኑ ሓጋዛ ኮይኑ ንክርኸብ ፀዊዖም።

እቲ 8 ነሓሰ 2018 ዓ/ም ዝተሳለጠ መድርኽ ስልጠና ንኣካል ጉድኣትን ንመናእሰይን ዝጥምት ብማሕበረ ሰብ ኣብ ልዕሊ ኣካል ጉድኣት ዝርአ ትሑት ግንዛበ ንምእራምን ኣካል ጉድኣት ከም ኹሉ ማሕበረ ሰብ ተጠቃሚ ዝገብር ናይ ግንዛበ ምፍጣርን ሕወየት ኣእምሮ ኣካል ጉድኣትን መሰረት ዝገበረ መድርኽ ምዃኑ ተገሊፁ።

ገባሪ ሰናይ ትካል child fun ቅድሚ ሐዚ ኣብ ጥዕና ፣ኣብ ትምህርቲ፣ኣብ ምግብና ንዝተፀገሙ ኣካላት ደገፋት እናገበረ ከምዝመፀ ዝሓበሩ መተሓባሪ እቲ ትካል መምህር ኻልኣዩ ወልዱ ድማ እቲ ዝተሳለጠ መድርኽ ውን ናቱ መቀፀልታ ምዃኑ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣብሪሆም።

እቶም መተሓባበሪ ወሲኾም ከምዝገለፅዎ ኣካል ጉድኣት ከም ማንም ማሕበረ ሰብ ተጠቃሚ ኣብ ምግባር ብቀፃሊ ንድልየቶምን ንባህጎምን ዝግድቡ ነገራት ኣብ ምቅራፍ ብኣተሓሳስቢኦም በሲሎምን ኣእምርኦም ሓውዮምን ኣብ ዝተዋፍርሉ ዓውደ ስራሕ መርአያ ኾይኖም ንክወፁ ኣብ ምግባር ብቐፃሊ ደገፎም ኣጠናኺሮም ከምዝሰርሕሉ ኣብሪሆም።

ኣብቲ መድርኽ ስልጠና ተረኺቦም ሞያዊ ትምህርቲ ዝሃቡ ኣማኻርን መምህር ስነ ልቦናን መምህር ገ/መድህን ኣያሌው ብጊዲኦም ኣካል ጉድኣት ማለት ኣካላዊን ስሚዒታዊን ክእለታት ዝግድብ ኩነታት እንተጋጥም ዝፍጠር እምበር ኣካል ጉድእነት ማለት ካብ ካልኦት ሰባት(ሙሉእ ኣካል ዘለዎ) ዝንኣሰ ወይ ዝተሓተ ማለት ከምዘይኾነ ኣረዲኦም።

ተኻፈልቲ እቲ ሰልጠና ዝኾኑ ኣካል ጉድኣትን መናእሰይን ሰልጠንቲ ድማ ካብቲ ስልጠና እኩል ግንዛበን ተመክሮን ከምዝረኸቡ ብምግላፅ ከምዚ ዓይነት መድርኻት ድማ ንኣካል ጉድኣት ቅድሚት ዘመፅእ ስለ ዝኾነ ተበረታትዑ ክቅፅል ፀዊዖም።

መባእታዊ ሆስፒታል ገዛና ብስሩዕ ስርሑ ንምጅማር ብድሙቕ ስነ-ስርዓት ተመሪቑህዝብና ተስፋን ብርሃንን ዝዘርኡ ዓበይቲ ናይ ልምዓት ፕሮጀክትታት ሓደ ዝኾነ መባእታዊ ሆስፒታል ገዛና፤ ሰብ ኣክስ...
06/06/2026

መባእታዊ ሆስፒታል ገዛና ብስሩዕ ስርሑ ንምጅማር ብድሙቕ ስነ-ስርዓት ተመሪቑ
ህዝብና ተስፋን ብርሃንን ዝዘርኡ ዓበይቲ ናይ ልምዓት ፕሮጀክትታት ሓደ ዝኾነ መባእታዊ ሆስፒታል ገዛና፤ ሰብ ኣክስዮን ጠቕላላ ስራሕቲ ንግዲ ገዛናን ኣ/ማ፣ ላዕለዎት ተወከልቲ መንግስቲ፣ መዳርግቲ ኣካላት፣ ዕዱማት ኣጋይሽን ዝፈላለያ ማዕከናት ሚድያ ትግራይን ኣብ ዝተረኽብሉ ብድሙቕ ኩነታት ተመሪቑ።

እዚ ሆስፒታል ስራሕ ምጅማሩ፣ ኣብ ትግራይ ሓዱሽ ዓቕምን ተወዳዳርነትን ዘምፅእ ምዃኑ ተገሊፁ።
ይኹን እምበር፣ እዚ ሆስፒታል እዚ ካብቶም ልሙዳት ትካላት ሕክምና ፍሉይ ዝገብሮ እንታይ እዩ?
ዘመናዊ ቴክኖሎጅን ደረጃኡ ዝሓለወ ኣገልግሎትን
መባእታዊ ሆስፒታል ገዛና፣ እዚ ዘለናሉ መዋእል ዝጠልቦም ዘመናዊ ናውቲ ሕክምና፣ ምቹዋት ክፍልታት መደቀስን ንሕሙማት ፍሉይ ቆረሕታ ዝህቡ ናይ ምርመራ ክፍልታትን ብምውናን ተወዳዳሪ ኮይኑ ዝቐረበ ትካል እዩ።

እዚ ድማ ዜጋታት ብሰንኪ ሕክምና ናብ ወፃኢ ክልላትን ሃገራትን ዝገብርዎ ዝነበሩ ምውሳእ ክንደይ ዝኣክል ከቃልሎ ከም ዝኽእል ዘመላኽት እዩ።
ሰብኣዊ ሓልዮት፡ ምረቓ ብግብሪ
እቲ ትካል ካብ ዋጋን መኽሰብን ንላዕሊ ንህዝባዊ ኣገልግሎት ቀዳምነት ከም ዝህብ ዘመስከረሉ ፍሉይ ስጉምቲ ወሲዱ ኣሎ። ብምኽንያት ዕላዊ ምጅማር ስርሑ፡
• ልዕሊ 6 ሚልዮን ብር ዝዋጋኡ ናይ ነፃ ምርመራን ሕክምናን ዕድል ኣዳልዩ።
• እዚ ንሓደ ወርሒ ዝፀንሕ መደብ፣ ሰፊሕ ናይ ዋጋ ምንካስ (ዲስካውንት) እውን ዘጠቓለለ እዩ።
• ንኣዴታትን ሓራሳትን ብፍሉይ ነፃ ግልጋሎትን ንህፃውንቲ ሕፅረት ምግቢ ከየጋጥሞም ፀባን ውፅኢት ፀባን ብምቅራብ ማሕበራዊ ሓላፍነቱ ዝዋፃእ ዘሎ ትኻል ከም ዝኾነ እውን ተገሊፁ
• ንኣካል ጉዳኣት እውን ነፃ ግልጋሎት ሕክምና ንምሃብ ይሰርሕ ዘሎ ትኻል ከም ዝኾነ ብምግላፅ ኣካል ጉዳኣት ዘይሓቆፈ መሰረተ ልምዓት ትርጉሙ ሰለ ዘይብሉ ገዛና መባእታዊ ሆስፒታል ንኣካል ጉዳኣት ቀዳምነት ሂቡ ዝሰርሕ ብምዃኑ ፍሉይ ይገብሮ።
እዚ መባእታዊ ሆስፒታል ገዛና ንማሕበረሰቡ ዘለዎ ሓልዮትን ሓላፍነትን ብተግባር ዘርኣየሉ፣ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብኢኮኖሚ ንዝተፀገሙ ወገናት ዓብዪ ተስፋ ዝፈጥር እዩ።
"መባእታዊ ሆስፒታል ገዛና፣ ኣብ ሞንጎ ቁጠባዊ ረብሓን ማሕበራዊ ግዴታን ክህሉ ዝግብኦ ሚዛን ብሉፅ ኣብነት ኮይኑ ኣርእዩ ኣሎ። ኣብዚ ፈታኒ እዋን ከምዚ ዝበለ ዓብዪ ወፍሪ ዘካየዱ ሰብ ኣክስዮን ገዛና ኣ/ማ፣ ሃፍቶም ጥራይ ዘይኮነስ ሃገራዊ ፍቕሮምን እውን ዘመስከሩ ብሉፃት ሰብ ኣክስዮን እዮም።ንኹሉም ሰብ ኣክስዮንን መሻርኽቲ ኣካላትን፡ እንኳዕ ደስ በለኩም! እዚ ዝተወለዐ ናይ ልምዓት ሽምዓ ቀፃልነት ክህልዎ ኩሉ ማሕበረስብ ክድግፎን ናቱ ክገብሮን ፃውዒትና ነቅርብ ።
መባእታዊ ሆስፒታል ገዛና ገዛኹም ገዛክን

ኣብ ተጠቃምነት ኣካል ጉዳኣት ትግራይ ዝጠመተ ርኡይ ዋዕላ ሎሚ ኣብ መቐለ ሆቴል ኖርዘርን ስታር (Northern Star) ተሳሊጡ። ብ ሕብረት ፌደሬሽን ኣካል ጉዳኣት ትግራይን ውሩይ ሃገር ቦ...
18/05/2026

ኣብ ተጠቃምነት ኣካል ጉዳኣት ትግራይ ዝጠመተ ርኡይ ዋዕላ ሎሚ ኣብ መቐለ ሆቴል ኖርዘርን ስታር (Northern Star) ተሳሊጡ። ብ ሕብረት ፌደሬሽን ኣካል ጉዳኣት ትግራይን ውሩይ ሃገር ቦቆን ትካል ግብረ-ሰናይ "እኖታት ንእኖታት" (MUMs for MUMs) ዝተዳለወ ሰፊሕ መድረኽ ዘተ፣ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ኣካል ጉዳኣት ንምቕያር ዝዓለመ እዩ።
30.8% ኣቓልቦ ዝደሊ ሰንባዲ ቁፅሪ
ኣብዚ ዋዕላ ዝተረኸቡ ናይ ማሕበራዊ ጉዳይ ምክትል ሓላፊ ኣይተ ገብረስላሴ፣ ንተሳተፍቲ እቲ ዋዕላ ዘቅረብዎ ሓዱሽ ናይ መፅናዕቲ ውፅኢት ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ ኣብ ትግራይ ዘሎ በዝሒ ኣካል ጉዳኣት 30.8% በፂሑ ኣሎ።
ኣይተ ገብረስላሴ ነዚ ቁፅሪ ማእኸል ገይሮም ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ፦
"እዚ ቁፅሪ እዚ ብጣዕሚ ልዑልን ኣቓልቦ ዝደልይን እዩ። ሰፊሕ ቁፅሪ ዘለዎ ክፋል ሕብረተሰብ ስለዝኾነ፣ ኩሉ ኣካል ተረባሪቡ፣ ወዳበ ፈጢሩ ክሰርሓሉን ሓላፍነት ክስምዖን ይግባእ።"
ብተወሳኺ፣ ኣካል ጉዳኣት ካብ ዘለዎም ረዚን ናይ ኢኮኖሚ ፀገም ንምውፃእ ኩሉ ዜጋ ብትግሃት ክረባረብ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።
ምንቅስቓስ ማሕበራትን ህንፀት ዓቕምን
ናይ ትካል "እኖታት ንእኖታት" (MUMs for MUMs) ስራሕ መካየዲ ኣይተ ኣሸናፊ ብወገኖም፣ እዚ ዋዕላ እዚ ነቲ 30.8% ዝበፅሐ ቁፅሪ ዘለዎ ሕብረተሰብ ንምድሓን ሓደ ዓብዪ ስጉምቲ ምዃኑ ገሊፆም።
ኣይተ ኣሸናፊ ከምዝሓበሩዎ፦
• ኣብ ልዕሊ ኣካል ጉዳኣት ዘለዎም ኣዴታትን ካልኦት ወገናትን ዘሎ ፀገም ሰፊሕን ዝተሓላለኸን ምዃኑ ብምርዳእ እዩ እዚ ዋዕላ ተዳልዩ።
• ዋና ዕላማ እቲ መድረኽ እዘን ኣብቲ ስራሕ ዝተዋፈራ ማሕበራት ተጠናኺረን ንክወፃን ፀገማት ንምፍታሕ ሓቢርካ ንምስራሕን እዩ።
በዝሓ ኣካል ጉዳኣት 30.8% ምብፅሑ ዘርኣየሉ ጥራሕ ከይኮነስ፣ ነዚ ሰፊሕ ሕብረተሰብ ካብ ዘለዎ ቁጠባዊ ፀገም ንምውፃእ ህፁፅን ዝተወደበን ናይ ሓባር ቃልሲ ከምዘድሊ ዘገንዘበ ኣገዳሲ መድረኽ ነይሩ።

 # ኦቲዝም ሕማም ኣይኮነን፤ ፍሉይ ተፈጥሮ እዩ! # #ሰላም ጥዕና ይሃበለይ ክቡራት ተኸታተልቲ "ሓረግ ተጋሩ ሚድያ"። ሎሚ ብዛዕባ ሓደ ኣብ ሕብረተሰብና ብሰንኪ ሕፅረት ግንዛበ ተዓፅዩ ዘሎ...
04/05/2026

# ኦቲዝም ሕማም ኣይኮነን፤ ፍሉይ ተፈጥሮ እዩ! # #

ሰላም ጥዕና ይሃበለይ ክቡራት ተኸታተልቲ "ሓረግ ተጋሩ ሚድያ"። ሎሚ ብዛዕባ ሓደ ኣብ ሕብረተሰብና ብሰንኪ ሕፅረት ግንዛበ ተዓፅዩ ዘሎ ዛዕባ ክንዛረብ ኢና ብዛዕባ ኦቲዝም።ብዙሕ ግዜ ኣብ ሕብረተሰብና ሓደ ህፃን ምልክታት ኦቲዝም እንተርእዩ "ተዓኒኑ"፣ "ምትሓዝ ተታሒዙ" ወይ ድማ "ብሕማቕ ኣተዓባብያ ዝመፀ" ተባሂሉ ይእመነሉ እዩ።
እዚ ድሑር ኣረኣእያ እዚ ግን ነቶም ህፃናት ካብ ማሕበራዊ ህይወት ንክንፅሉን ዕድሎም ንክመክንን ይገብር ኣሎ። ሎሚ ነዚ ፀልማት ኣተሓሳስባ ብብርሃን ሳይንስ ክንቐይሮ ይግባእ።
1. ኦቲዝም ረኽሲ ወይ ድማ መርገም ኣይኮነን!
ሳይንስ ከምዘረጋግፆ፣ ኦቲዝም ኣብ ኣሰራርሓ ሓንጎል ዝፍጠር ናይ ዕብየት ፍልልይ እዩ። ኦቲዝም ዘለዎም ህፃናት ከምኡ ኮይኖም ዝተወለዱ እምበር፣ ብሰንኪ ስድራቤቶም ዝመፀ ፀገም ኣይኮነን። እዚ ማለት ኦቲዝም ዘለዎ ሰብ "ሕሙም" ኣይኮነን ንዓለም ዝርድኣሉ መንገዲ ጥራይ እዩ ዝተፈለየ።
2. ድሑር ኣረኣእያና ንህፃናት ይቐትሎም ኣሎ
ህፃናት ምስ ሰባት ዓይኒ ንዓይኒ ክጥምቱ ስለዘይከኣሉ ወይ ድማ ሓደ ዓይነት ዘረባ ስለዘዘውተሩ "ኣብ ዓዱ የለን" እናበልና ክንነፅሎም የብልናን። እቲ ዝዓበየ ስንክልና ኦቲዝም ዘይኮነስ፣ ንሕና ሕብረተሰብ ነቶም ህፃናት ተቐቢልና ክንሕግዞም ዘይምኽኣልና እዩ።
3. ኦቲዝም ዘለዎም ሰባት ፍሉይ ፀጋ ኣለዎም
ታሪኽ ዓለም ከምዘርእየና፣ ብዙሓት ዓበይቲ ተመራመርቲ፣ ስነ-ጥበበኛታትን ናይ ሒሳብ ሊቃውንትን ኦቲዝም ዝነበሮም እዮም። ብዝግባእ ደገፍን ፍቕሪን እንተረኺቦም፣ ኦቲዝም ዘለዎም ህፃናት ካብ ካልኦት ሰባት ንላዕሊ ንሓደ ነገር ብጥንቃቐ ናይ ምርኣይን ፍሉይ ፈጠራ ናይ ምምዛግብን ዓቕሚ ኣለዎም።
4. መልእኽተይ ንወለዲ
ውሉድኹም ኦቲዝም ስፐክትረም (ASD) ከምዘለዎ እንተፈሊጥኩም ኣይትሕፈሩ፣ ኣይትሸቐጡ! ንዓለም ሕብኣዎም ዘይኮነስ ንዓለም ኣላልይዎም። ቀልጢፍኩም ናብ ሰብ ሞያ ብምውሳድ ስነ-ኣእምሮኣዊ ስልጠና (Behavioral Therapy) እንተረኺቦም፣ ብርእሶም ተኣማሚኖም ክዓብዩ ይኽእሉ እዮም።
መደምደምታ፦
ክቡራት ተኸታተልተይ፤ ለውጢ ካብ ነፍሲ ወከፍና እዩ ዝጅምር። ኦቲዝም ዘለዎ ህፃን ክትሪኡ ከለኹም ብድንጋፅ ወይ ብትዕዝብቲ ዘይኮነስ ብፍቕሪ ርኣይዎም። ሕብረተሰብ ዝመሃር እቶም ዝተፈለዩ ወገናቱ ተቐቢሉ ክሓቁፍ ከሎ እዩ።
ኦቲዝም ሕማም ኣይኮነን—ፍሉይነት እዩ። ነዚ ግንዛበ እዚ ብምዝርጋሕ ንህፃናትና ካብ ፀልማት ተነፅሎ ነውፅኣዮም!
ሓረግ ተጋሩ ሚድያን ድምፂ ንዘይተሰምዑ!
ብጋዜጠኛ ተስፋይ ፀጋይ፤

መድረኽ ስነ-ልቦናዊ ሕውየትን ክብረ-በዓል ትንሳኤን ምስ ኣካል-ጉዱኣት ጀጋኑመቐለ —    ሓረግ ተጋሩ ሚድያን ኮምኒኬሽንን  ምስ ገዛና ጠቅላላ ስራሕቲ ንግዲ ኣ.ማ ከምኡ’ውን መባእታዊ ሆስፒ...
12/04/2026

መድረኽ ስነ-ልቦናዊ ሕውየትን ክብረ-በዓል ትንሳኤን ምስ ኣካል-ጉዱኣት ጀጋኑ
መቐለ —
ሓረግ ተጋሩ ሚድያን ኮምኒኬሽንን ምስ ገዛና ጠቅላላ ስራሕቲ ንግዲ ኣ.ማ ከምኡ’ውን መባእታዊ ሆስፒታል ገዛና ብምትሕብባር፤
"ትንሳኤና ምስ ጉዳኣትና" ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ን40 ኣካል-ጉዱኣት ተጋደልቲ ዓብዪ ናይ ስነ-ልቦና ሕውየት መድረኽን ናይ ምሳሕ እንግዶትን ኣብ ከተማ መቐለ ኣሳሊጦም። እቲ መደብ፤ ነቶም ምእንቲ ህልውናን መሰልን ህዝቦም ክብሉ ክቡር ኣካላቶም ዝገበሩ ጀጋኑ፤ ኣብ እዋን በዓል ትንሳኤ በይኖም ከምዘይኮኑ ንምርጋፅን ንዝኸፈልዎ መጉዳእቲ ግቡእ ክብሪ ንምሃብን ዝዓለመ እዩ።

ኣብቲ መድረኽ ዓበይቲ ዓዲ፣ ሰብ-ሃብቲ፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ዝምልከቶም ዝተፈላለዩ ኣካላትን ተረኺቦም እዮም።
ዝተፈላለዩ ወሰንቲ መልእኽትታት ዝተመሓላለፉ እንትኾኑ፤ ሓደ ካብቶም ቀንዲ ነጥብታት "ኣካል ጉዱኣት ዘይሓቆፈ መሰረተ-ልምዓት ምሉእ ክኸውን ኣይኽእልን" ዝብል እዩ። ዝኾነ ይኹን ሃገራዊ ይኹን ክባብያዊ ልምዓታዊ ስራሕቲ፤ ንፍሉይ ኩነታት ኣካል ጉዱኣት ኣብ ግምት ዘይእቱ እንተኾይኑ፡ እቲ ልምዓት ንውሱን ክፋል ሕብረተሰብ ጥራይ ዘገልግልን ንገለ ክፋል ድማ ዘግልልን ከምዝኸውን ተሓቢሩ። ብተወሳኺ፤ ንኣካል-ጉዱኣት ዝወሃብ ደገፍ ካብቲ ልሙድ "ረድኤታዊ" ኣተሓሳስባ ወፂኡ፤ ናብ ስነ-ልቦናዊ ሕውየትን ዘላቒ ናብራን ዘተኮረ ክኸውን ከምዝግባእ ተገሊፁ። እቶም ተሳተፍቲ ከምዝሓበርዎ፦
• ኣካል-ጉዱኣት ኣብ ኩሉ ማሕበራዊ፣ ቁጠባዊን ፖለቲካዊን ምንቅስቓሳት ብማዕረ ክሳተፉ ዘኽእሎም ባይታ ክመቻቸወሎም ይግባእ።
• ሕብረተሰብ ንኣካል-ጉዱኣት ዘለዎ ኣረኣእያ ካብ "ምድንጋፅ" ናብ "ምኽባርን ሓባራዊ ጉዕዞን" ክቕየር ይግባእ።
• ተግባራዊ ስነ-ልቦናዊ ሕውየት (Psychosocial Rehabilitation) ንምምጻእ፤ ከምዚኦም ዝበሉ መድረኻት ብቐፃልነት ክዳለዉ ኣለዎም ተባሂሉ።

እቲ ዝተዳለወ ምሳሕ እንግዶት፤ ንጀጋኑ ተጋደልቲ ንዘለዎም ናይ ሞራል ሓይሊ ዘተባብዕን ኣብ ማሕበረሰቦም ዘለዎም ግደ ዝዘኻኸርን ከም ዝኾነ እውን እቶም እንግዶት ዝተገበረሎም ጀጋኑ ገሊፆም።

መግለፂ ሓፈሻዊ  ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይዕለት፦03/08/2018 ​ኣብ ከተማ ኣኽሱም ኣብ ልዕሊ ሙስሊም ማሕበረሰብ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኣመልኪቱ ዝወፀ መግለፂ​ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉ...
11/04/2026

መግለፂ ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ

ዕለት፦03/08/2018

​ኣብ ከተማ ኣኽሱም ኣብ ልዕሊ ሙስሊም ማሕበረሰብ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኣመልኪቱ ዝወፀ መግለፂ

​ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ፤ ኣብዛ ታሪኻዊት ከተማ ኣኽሱም፡ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ እስልምናን መሳጅድን ዝተፈፀመ ኢ-ሰብኣዊ መጥቃዕቲ ብፅኑዕ ይኹንን።

እቲ ብ ሚያዚያ 02/2018 ዓ.ል (ጁምዓ) ዘጋጠመ ዘሕዝን ፍፃመ፡ ንዘመናት ዝፀነሐ ናይ ምክብባርን ብሓባር ናይ ምንባርን ባህሊ ህዝብና ዝፃባእ እዩ።

​ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ነዞም ዝስዕቡ ነጥብታት የተሓሳስብ፦

​1. መበገሲ እቲ ፀገም
​እዚ መጥቃዕቲ እዚ ድንገታዊ ዘይኮነስ፣ ኣቐዲሞም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያታትን ዝተፈላለዩ መድረኻትን ክዝርግሑ ዝፀንሑ ናይ ፅልኢ ስብከታት ውፅኢት ምዃኑ ቤት ምኽሪ ይግንዘብ። "ሒጃብ ይከልከል" ካብ ዝብል ንላዕሊ፣ ንዘመናት ዝፀነሐ ናይ ኣዛን (ድምፂ መጉልሒ) ኣጠቓቕማ ብሓይሊ ደው ንክብል ዝተገብረ ወተሃደራዊ ፃውዒት ንሕገ-መንግስታዊ መሰል ናይ እምነት ናፅነት ዝጥሕስ እዩ።

​2. ግህሰት መሰላትን መጥቃዕትን

​ኣብቲ ዕለት ብኣካላት ፀጥታ እታ ከተማ ዝተወሰደ ናይ ድምፂ መጉልሒታት ናይ ምምንዛዕ ስጉምትን፣ ስዒቡ ድማ ብዝተወደቡ ኣካላት ኣብ ልዕሊ ሰገድቲ ዝተፈፀመ ናይ እምኒ ውርወራን ድብደባን ዝኾነ ዓይነት ሕጋዊ መመኽነይታ የብሉን። ብፍላይ ድማ ናብ መሳጅድ (መስጅድ እንዳበዋን መስጅድን ሽቑን) ብሓይሊ ብምእታው፦

• ቅዱስ ቁርኣን ምቕዳድን ኣብ ባይታ ምብትታንን፣
• ኣብ መሳጅድ ዝነበሩ ንብረታት (ሸልፍታት፣ ማዕፆታት፣ ሰዓታት) ምስባር፣
• ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ኣመንቲ (እኒ ኣይተ ዓብዳይ ወዲሰበረን ካልኦትን) ዝበፅሐ ናይ ኣካል ጉድኣት፣
• ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ ኣባላትና፣ ቤት ምኽሪ ብፅኑዕ ዝኹንኖምን መንግስቲ ብህፁፅ ኢዱ ከእትወሎም ዝግባእ ተግባራት እዮም።
​
3. ናይ ሙስሊም ማሕበረሰብ ዓቕሊ

​ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ፤ ሙስሊም ህዝቢ ኣኽሱም ነዚ ኩሉ ተፃብኦታት ብዓቕሊ ብምሕላፍ፣ ብሰላማዊ "ተክቢራ" ጥራሕ ተቓውምኡ ብምግላፅ ዘርኣዮ ናይ ጨዋነት ባህሊ የድንቕ። እዚ ዓቕሊ እዚ ድማ ንሰላም ተባሂሉ ዝተገብረ እምበር ከም ድኸመት ከምዘይነ ክፍለጥ ይግባእ።

​4. ፃውዒት ቤት ምኽሪ

​ንመንግስቲ፦ እቶም ነዚ ናይ ፅልኢ ዘላዓዕሉን ዝመርሑን፣ ኣብቲ መጥቃዕቲ ኢድ ዘለዎም ኣካላት ፀጥታን ሲቪላትን ብህፁፅ ተታሒዞም ናብ ሕጊ ክቐርቡ ንሓትት።

​ንህዝቢ ትግራይ፦ እዚ ተግባር እዚ ንትግራዋይነት ዘይውክል ብምዃኑ፣ ኩሉ ሰላም ፈታዊ ህዝብና ነዚ ፅዩፍ ተግባር ክኹንን ይግባእ።
​
ንኣመንቲ እስልምና፦ ኩልኹም ኣመንቲ እስልምና ትግራይ ምስ ኣሕዋትኩም ደው ክትብሉን፣ እቲ ቤት ምኽሪ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ኮይኑ ንዘካይዶ ናይ ፍትሒ ፃዕሪ ክትከታተሉን ንፅውዕ።

​ፍትሒ ንዝተበደሉ ኣሕዋትና!
ሰላም ንህዝብና!

ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ መቐለ፣ ትግራይ

 #መግለፂ ሰናይ ትምኒት በዓል ትንሳኤ ካብ ሓረግ ተጋሩ ሚድያን ኮምኒኬሽንን # #።።።።።።።።።።።።።።።።።“ትንሳኤና ንሓድነት፣ ሕውየትናን ንዘላቂ ሰላምናን!”እንኳዕ ንብርሃነ ትንሳኤ ጎይ...
11/04/2026

#መግለፂ ሰናይ ትምኒት በዓል ትንሳኤ ካብ ሓረግ ተጋሩ ሚድያን ኮምኒኬሽንን # #
።።።።።።።።።።።።።።።።።
“ትንሳኤና ንሓድነት፣ ሕውየትናን ንዘላቂ ሰላምናን!”
እንኳዕ ንብርሃነ ትንሳኤ ጎይታናን መድሓኒትናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብሰላምን ብጥዕናን ኣብፀሓኩም በዓል ትንሳኤ ክንብል ከለና፣ ካብ ፀልማት ናብ ብርሃን፣ ካብ ሞት ናብ ህይወት፣ ካብ ቃንዛ ድማ ናብ ተስፋ ዝስገረሉ ዓብዪ ምስጢር እዩ። እዚ ዕለት እዚ ንህዝቢ ትግራይ ካብ መከራ ናብ ሰላም፣ ካብ ዕንወት ናብ ህንፀት፣ ካብ ምፍልላይ ድማ ናብ ጥሙር ሓድነት እንሰጋገረሉ መምዘኒ ምዕራፍ ክኾነልና ሓረግ ተጋሩ ሚድያን ኮምኒኬሽንን ሰናይ ትምኒቱ ይገልጽ። ዝኸበርካ ህዝብና ኣብ ውሽጥን ወፃእን እትርከብ እዚ ናይ ሎሚ ዓመት በዓል ትንሳኤ ናይ ሰላምን ምሕረትን፦ ኲናት ኣብቒዑ ሰላም ዝነገሰሉ፣ ዝቖሰለ ዝሓውየሉን ዝተሰደደ ዝምለሰሉን ናይ ሓድነትን ፍትሕን፦ ሓድነትና ከም ዕንፀይቲ ዝጠመረሉ፣ መሰልን ክብርን ዜጋታት ብፍትሒ ዝረጋገፀሉ ናይ ብርሃንን ተስፋን ድሕሪ እቲ ዝሓለፈ ፀልማት፣ ንመፃኢ ወለዶ እትኸውን ብልፅቲ ትግራይ ንምህናፅ ቃል እንኣትወሉ ክኾነልና ናይ ኩልና ፆሎትን ትምኒትን እዩ። በዓል ትንሳኤ ክነክብር ከለና፣ ነቶም ተፀጊሞም ዘለዉ ወገናትና ብምሕጋዝ፣ ንዝተፀገሙ ብምብፃሕን ኢድ ንኢድ ብምተሓሓዝን ክኸውን ይግባእ። ብርሃነ ትንሳኤ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ገዛ ፍስሃን ሓጎስን ከምኡ እውን ዘላቂ ሰላም የውርደልና። ሓረግ ተጋሩ ሚድያን ኮምኒኬሽንን፣ ከም ወትሩ ድምፂ ህዝብና ኮይኑ ንሓቂ፣ ንፍትሕን ንኩለመዳይ ህንፀት ትግራይን ቆይሙ ክሰርሕ ምዃኑ ክነረጋግፅ ንፈቱ።ደጊምና ርሑስ በዓል ትንሳኤ ክኾነልኩም ንምነ።


ሰላም ንህዝብና! ጥዕና ንወገንና!

ሓረግ ተጋሩ ሚድያን ኮምኒኬሽን

ሚያዝያ 2018 ዓ.ም መቐለ፣ ትግራይ

ትካል ገባሪ ሰናይ "እኖታት ንእኖታት" ብድምቀት ይፅንብል ሎሚ ኣኽቢሩርብዒ ክፍለ ዘመን ኣብ ኣገልግሎት ወለዲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ትካላት ገባሪ ሰናይ ኣብነታውነት ካብ ዝጥቀሱ ውድባት...
07/04/2026

ትካል ገባሪ ሰናይ "እኖታት ንእኖታት" ብድምቀት ይፅንብል ሎሚ ኣኽቢሩ
ርብዒ ክፍለ ዘመን ኣብ ኣገልግሎት ወለዲ

ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ትካላት ገባሪ ሰናይ ኣብነታውነት ካብ ዝጥቀሱ ውድባት ሓደ ዝኾነ ትካል ገባሪ ሰናይ እኖታት ንእኖታት (Mothers for Mothers)
መበል 25 ዓመት ምምስራት ፅምብሉ (ርብዒ ክፍለ ዘመን) ብድምቀት የሳልጥ ኣሎ።

እዚ ንልዕሊ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ንኣዴታት ትግራይ ዋልታ ኮይኑ ዝፀንሐ ትካል፣ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ታሪኹን ዓወታቱን እናዘከረ ይርከብ።
ካብ ትሑት ጅማሮ ናብ ዓብዪ ትካል
እዚ ትካል እዚ ብ1993 ዓ.ም ብተበግሶ ወይዘሮ ተበርህ በርሀ ክምስረት ከሎ፣ ብሓሙሽተ ወለንተኛታት ጥራሕ ዝተጀመረ ትሑት ምንቅስቓስ ነይሩ። ይኹን እምበር፣ እቲ ትካል ንሰለስተ ዕላማታት ጥዕና፣ ምግቢ፣ ከምኡ’ውን ድሕንነት ኣዴታትን ህፃናትን ቀዳምነት ሂቡ ብምስርሑ፣ ሎሚ 156 ሰራሕተኛታት ዝወነነን ዓብዪ ዓቕሚ ዘለዎ ትካል ክኸውን ክኢሉ ኣሎ።
"ንኣዴታት ክብሪ ዝሃበ ጉዕዞ"
ኣካያዲ ስራሕ እቲ ትካል ኣይተ ኣሸናፊ ኣስመላሽ ነቲ ፅምብል ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፣ እቲ ትካል ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመታት ንኣዴታት ትግራይ ዝለዓለ ክብሪ ብምሃብ፣ ህይወት ብዙሓት ንምቕያር ከም ዝሰርሐ ኣገንዚቦም።
"እኖታት ንእኖታት ምስ ናይ ውሽጢ ዓድን ዓለም ለኸን ገበርቲ ሰናይ ትካላት ብምዃን፣ ኣብ ግልጋሎት ጥዕና፣ ምርግጋጽ ድሕንነት ምግቢ ከምኡ’ውን ካልኦት ማሕበራዊ ጸገማት ንምፍታሕ ኣብነታዊ ስራሕ ሰሪሑ እዩ።"

ኣይተ ኣሸናፊ ኣስመላሽ
ዓወታትን መፃኢ ኣንፈትን
እቲ ትካል ኣብዚ ሕጂ እዋን ብኣይተ ኣሸናፊ ኣስመላሽ እናተመርሐ፣ ካብቲ ዝነበሮ ስሩዕ ኣገልግሎት ወጻኢ፣ ኣብ እዋን ጸገምን ግጭትን እውን ንኣዴታት ኣብ ጎነን ብምዃን ዘይትካእ ግደ ክፃወት ፀኒሑ እዩ።

እዚ ጽምብል እዚ ነቲ ዝሓለፈ ስራሕቲ ንምግምጋም ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ንመጻኢ እውን ዝያዳ ስፍሓት ዘለዎ ኣገልግሎት ንምሃብ ቃል ዝእተወሉ ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ።
እዚ ታሪኻዊ ጽምብል "እኖታት ንእኖታት"፣ ሓገዝ ዘድልየን ኣዴታት ብቑዕ ኣገልግሎት ረኺበን ናብ ዓርሰ-ተኣማንነት ዝሰጋገራሉ ባይታ ንምፍጣር ዝተኻየደ ናይ ርብዒ ክፍለ ዘመን ቃልሲ ዘንፀባርቕ እዩ።

ብጋዜጠኛ ብርሃነ ሓጎስ መቐለ — 29 መጋቢት 2018 ዓ.ም

Address

Mekelle

Telephone

+251967739447

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ሓረግ ተጋሩ ሚድያ posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Shortcuts

Share