Harboy Enterprise

Harboy Enterprise Books from the horn of Africa. Böcker från Afrikas horn.
መጻሕፍቲ ካብ ሃገራት ቀ?

ሮመዳን ከሪም፡ ከምኡ'ውን ርሑስ ጾመ ኣርብዓ ይግበረልና!
11/03/2024

ሮመዳን ከሪም፡ ከምኡ'ውን ርሑስ ጾመ ኣርብዓ ይግበረልና!

29/09/2022

ኣብ'ቲ ሎሚ ዓመት፡ ኣብ ዮቶቦርይ ካብ 22-25 መስከረም ዝተኻየደ፡ ፌስቲቫል መጽሓፍቲ፡ ከባቢ 82,000 በጻሕቲ ተሳቲፎሞ፡፡ ኣብ'ዚ ብዙሓት ጸሓፍቲ፡ ኣሕተምትን ዘርጋሕትን ዘአንገደ ፌስቲቫል.....

30/08/2022

ኣብ bookshop.harboyenterprise.com ዘሎ ዋጋ መጻሕፍቲ ምስ መስደዲኡ ምዃኑ ክንሕብረኩም ንፈቱ።

መጽሓፍ ዑመር ኻይም ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለም ብልጽቲ ምዃና ዝእመነላን ብብዝሒ ናብ ካልኦት ቋንቋታት ዝተተርጐመትን እያ።ካብ bookshop.harboyenterprise.com ክትእዘዝ ትኽእል።
27/08/2022

መጽሓፍ ዑመር ኻይም ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለም ብልጽቲ ምዃና ዝእመነላን ብብዝሒ ናብ ካልኦት ቋንቋታት ዝተተርጐመትን እያ።
ካብ bookshop.harboyenterprise.com ክትእዘዝ ትኽእል።

ብኤርምያስ ኣብርሃ ናብ ትግርኛ ተተርጕማ ብኣሕታሚ ሓርቦይ ኢንተርፕራይዝ ዝተሓትመት "ዑመር ኻይም- ልብ ወለዳዊ ታሪኽ ህይወቱን ሩብ ኣያታቱን (ግጥምታቱን) ዘርእስታ ሓዳሽ መጽሓፍ ንመሸጣ ተ...
24/08/2022

ብኤርምያስ ኣብርሃ ናብ ትግርኛ ተተርጕማ ብኣሕታሚ ሓርቦይ ኢንተርፕራይዝ ዝተሓትመት "ዑመር ኻይም- ልብ ወለዳዊ ታሪኽ ህይወቱን ሩብ ኣያታቱን (ግጥምታቱን) ዘርእስታ ሓዳሽ መጽሓፍ ንመሸጣ ተቐሪባ ኣላ።

መንቀሊ ትርጉም
መጽሓፍ ዑመር ኻያም፡ ካብቶም ብደረጃ ዓለም ብሉጻት ተባሂሎም ዝጥቀሱ መጻሕፍቲ፡ ምስቶም ብቐዳማይ ደረጃ ዝስርዑ ክላሲክ መጻሕፍቲ፡ ምስቶም “ኢቫን-ጋዲህ” (ጥበብ ንጥበብ Art for Art) ተባሂሎም ዝጥቀሱ መጻሕፍቲ እያ ትምደብ። ምሰ ነበብኩዋ ኣዝየ ተመሲጠ። ካብ ልበይ ዝገንፈለ ስምዒት ተርጉማ ተርጉማ በለኒ።
ነዚ ውሽጣዊ ስምዒተይ’ዚ ሒዘ፡ ናብቲ ነዛ መጽሓፍ ከንብባ ሂበዮ ዝነበርኩ’ሞ ምሰ’ንበባ ተምሳጥ! ኣሕዲራቱሉ ዝነበረት ዓርከይ ስነ-ጥበበኛ ሰለሞን በርሀ ብምኻድ ሓሳበይ ኣካፈልኩዎ።
ሰሎሞን፡ ካብ ርዝነትን ዕምቆትን ሓሳብ መጽሓፍ ዑመር ኻያም ነቒሉ፡ እቲ ስራሕ ከቢድ ከም ዝኾነን ብፍላይ ከአ ነቲ ግጥምታት ብትኽክል ጣዕሙን ሓሳቡን ሓሊኻ ናብ ቋንቛ ትግርኛ ንምትርጓሙ ከም ዝኸብድ ወረ ከም ዘሸግር ኣተንብሃለይ።
ሽዑ ውሽጠይ ገንፊለ! ‘ሰሪሕካ ብተግባር ኣርእዮ።’ በለኒ። ነዚ ዝገንፈለ ስምዒተይ ሒዘ፡ ንሰሎሞን ከይነገርኩዎ፡ ነቲ ስራሕ ብቕዱስ ህልኽ ተተሓሓዝኩዎ።
ነታ ቀዳመይቲ ምዕራፍ ምስ ተርጎምኩዋ ናብታ ብልጽቲ መምህረይን መሓዛይን ዶክተር ኣልማዝ ገብረኣምምላኽ ብምኻድ ሃብኩዋ። ኣልማዝ ነቲ ጽሑፍ ምስቲ ብእንግሊዝ ዝተጻሕፈ መጽሓፍ እናነጻጸረት፡ መንፈሱ ወይ ሓሳቡ ተጻሪሩ ከይህሉ ርእያ ጽቡቕ ከምዘሎ ኣበሲራትኒ። ብድሕር’ዚ ዘዝተርጎምኩዎ ምዕራፍ ኣልማዝ ምስቲ ብእንግሊዝ ዝተጸሓፈ እናኣነጻጸረት ነታ መጽሓፍ ተርጒመ ዛዘምኩዋ።
ናብ ሰሎሞን ብምኻድ ከኣ፡ ነታ መጽሓፍ ከም ዝተርጎምኩዋ ነገርኩዎ። ብምግራምን ብዓይኒ ሕቶን ጠመተኒ። ቦርሳይ ከፊተ ነቲ ትርጉም ሃብኩዎ። ሰሎሞን ኣንቢቡ ምስ ወደኦ፡ “ቤንጎ! ኣማን ብኣማን ቋንቋ ትግርኛ ገላጺ ኩሉ ምዃኑ ዘመስከረት መጽሓፍ።” እናበለ ሓቚፉ ሰዓመኒ!
እቲ ከም ወላዲየይን ዓርከይን ዝነበረ፡ ስነ-ጥበበኛ ሰኣልን ደራስን በየነ ሃይለ’ውን ኣንቢቡዋ ኔሩ። ክትሕተመሉ እትኽእል መገዲ እናኣናደየ ከሎ፡ ኣብ መንጎ ብሕማም ዓሪፉ።
ነፍስሄር ደራሲ በየነ ሃይለ፡ ዶክተር ኣልማዝን ሰለሞንን ብስመይን ብስም ኣንበብቲ እዛ መጽሓፍን ልባዊ ምስጋናይ ተቐበሉ።
የቐንየለይ!!
ኤርምያስ ኣብርሃ
ክትገዝእዋ ወይ ከተከፋፍልዋ ትደልዩ ሰባት በዚ ዝስዕብ ርኸቡና፦
[email protected]
0046739277560

ካብ መጽሓፍ "ቃልሲ ኣብ ከርሲ ጸላኢ"     እቲ ዝነበረ ቀንዲ ስራሕ ካብ ከተማ ንሜዳ ዘድሊ ዘበለ ነገራት ምውጻእ’ዩ ነይሩ። እንተኾነ ኣብቲ ስራሕ ምስ ብጾተይ ንነዊሕ ብሓባር ኣይተጓዓዝና...
23/08/2022

ካብ መጽሓፍ "ቃልሲ ኣብ ከርሲ ጸላኢ"
እቲ ዝነበረ ቀንዲ ስራሕ ካብ ከተማ ንሜዳ ዘድሊ ዘበለ ነገራት ምውጻእ’ዩ ነይሩ። እንተኾነ ኣብቲ ስራሕ ምስ ብጾተይ ንነዊሕ ብሓባር ኣይተጓዓዝናን፡ ምኽንያቱ ሕማቅ ኣጋጣሚ ኮይኑ ብጻይ ቀለታ ብጸላኢ ተታሕዙ ኣብ ቀይዲ ኣተወ። ብጻይ ስዩም ከኣ ድሕሪ ሳልስቲ ተቐየደ። ክልቲኦም ብጾተይ ብምእሳሮም ዋላ እኳ ሕማቕ እንተ ተሰማዓኒ፡ ናይ`ቲ ስራሕ ባህርያት ክሳብ መስዋእቲ ምኽፋል ብምዃኑ ተቐበልኩዎ። እቲ ምስኣቶም ኴይነ ክንሰርሖ ዝተወጠነ ዕዮ ድማ ናባይ ጥራይ ወደቐ።
ሓደ ለይቲ ካብ ኣስመራ ንሜዳ ኣብ ጉዕዞ እንከለኹ፡ ምስ ክልተ ተጋደልቲ ጎፍ ንጎፍ ንራኸብ። ብረቶም ናባይ ኣቕንዕወን። ብወተሃደራዊ ዕጥቆም ተቓለስቲ ምዃኖም ኣይተማታእኩን።
“ኣብ ዘለኻያ ደው በል!” ብምባል መንነተይ ከረጋግጹ ናባይ ቀሪቦም ሓተቱኒ። መንነተይ ሓበርክዎም። ንሳቶም’ውን ካብ ሓይሊ 21 ምዃኖም ድሕሪ ምሕባር፡
“እንታይ ደኣ በዚ እዋን ተንቀሳቒስካ፧ እቶም ናይ ጸላእቲ ዑሱባት ኣድብዮም እንተ ጸንሑኻኸ፧” በሉኒ።
“ኣብ`ዚ ህሞት`ዚ ሃሱሳት ክንቀሳቐሱ ኣይኽእሉን እዮም ኢለ ስለ ዝገመትኩ’የ” በልክዎም።
ካብ bookshop.harboyenterprise.com
yonatan.se
ክትእዘዝ ትኽእል።

19/06/2022

Adress

Oxelösund
61337

Öppettider

Måndag 09:00 - 20:00
Tisdag 08:00 - 20:00
Onsdag 08:00 - 20:00
Torsdag 08:00 - 20:00
Fredag 08:00 - 17:00

Telefon

+46739277560

Aviseringar

Var den första att veta och låt oss skicka ett mail när Harboy Enterprise postar nyheter och kampanjer. Din e-postadress kommer inte att användas för något annat ändamål, och du kan när som helst avbryta prenumerationen.

Kontakta Affären

Skicka ett meddelande till Harboy Enterprise:

Dela