Delina Consulting AB

Delina Consulting AB Kontaktinformation, kartor och vägbeskrivningar, kontaktformulär, öppettider, tjänster, betyg, foton, videor och meddelanden från Delina Consulting AB, Konsultföretag, Ångermannagatan 134, Stockholm.

Delina consulting will pursue service in basic computer knowledge, study and job coaching in education, internships and/or jobs, language and subject support in Tigrinya and Amharic, and social services and support.

09/06/2026

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብ ናይ comment ቦታ ኣለኩም።

ኣብ ሽወደን ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ደዉ ክብል ተወሲኑ !

ኣብ ግብሪ ዊዒሎም ዘለዉ ሓደሽቲ ሕግታቶ ዜግነት ብዝርዝር

ስድራ ጥርናፈ ንዝገብር ሰብ ኣታዊኡ ብ 30% ክወስኽ

ኣብ ሽወደን ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ደዉ ክብል ተወሲኑ !ኣብ ግብሪ ዊዒሎም ዘለዉ ሓደሽቲ ሕግታቶ ዜግነት ብዝርዝር ስድራ ጥርናፈ ንዝገብር ሰብ ኣታዊኡ ብ 30% ክወስኽ
09/06/2026

ኣብ ሽወደን ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ደዉ ክብል ተወሲኑ !

ኣብ ግብሪ ዊዒሎም ዘለዉ ሓደሽቲ ሕግታቶ ዜግነት ብዝርዝር

ስድራ ጥርናፈ ንዝገብር ሰብ ኣታዊኡ ብ 30% ክወስኽ

Enjoy the videos and music you love, upload original content, and share it all with friends, family, and the world on YouTube.

ኣብ ሽወደን ቀዋሚ  መንበሪ ፍቓድ ዝኽልክል ዉሳነ ፓርላማ ሽወደን !ሎሚ ሰሉስ 9 ሰነ 2026 ፓርላማ ሽወደን ነቲ መንግስቲ ሽወደን ንምእጋድ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ዘቕረቦ እማማ ኣጽዲቕዎ ኣሎ...
09/06/2026

ኣብ ሽወደን ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ዝኽልክል ዉሳነ ፓርላማ ሽወደን !

ሎሚ ሰሉስ 9 ሰነ 2026 ፓርላማ ሽወደን ነቲ መንግስቲ ሽወደን ንምእጋድ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ዘቕረቦ እማማ ኣጽዲቕዎ ኣሎ። እዚ ሓዱሽ ዉሳነ ፓርላማ፡ ነቶም ዑቕባ ዘድልዮም ሰባት ወይ ሰባት ብቐጻሊ ኣብ ሽወደን ዝነብሩን ንቤተሰቦምን ድሕሪ ሕጂ ቀዋሚ ፍቓድ መንበሪ ንኸይረኽቡ ዝኽልክል ሕጊ ጸዲቑ ኣሎ። ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ቀረባ ከስዕበሉክም እየ።

ተኽለወይኒ ኣስመላሽ
9 ሰነ 2026

https://www.riksdagen.se/sv/aktuellt/aktuelltnotiser/2026/juni/4/utskott-sager-ja-till-forslag-om-att-ta-bort_cms3cd3c770-9bea-423e-8a39-9dff0c44f8desv/?utm_source=chatgpt.com

Riksdagen röstade i dag ja till att avskaffa permanenta uppehållstillstånd och anpassa svensk migrationslagstiftning till EU:s miniminivå.

Detta är ett historiskt paradigmskifte. Sverige lämnar nu decennier av ansvarslös massinvandringspolitik bakom sig och inför regler som ligger på den miniminivå som EU-rätten tillåter.

Sverige får därmed en av EU:s mest restriktiva migrationslagstiftningar.

መጠንቀቕታ ካብ ፖሊስ ሽወደን ! ኣብዚ ሰሙን’ዚ፡ ፖሊስ ኣብ መላእ ሃገረ ሽወደን ተወሳኺ  ቅጽጽር ናይ ፍጥነት ተሽከርከርቲ ዘካይደሉ ሰሙን ስለ ዝኾነ ተጠንቂቕና ክንዝዉር ከም ዘለና ኣብ ወ...
08/06/2026

መጠንቀቕታ ካብ ፖሊስ ሽወደን !

ኣብዚ ሰሙን’ዚ፡ ፖሊስ ኣብ መላእ ሃገረ ሽወደን ተወሳኺ ቅጽጽር ናይ ፍጥነት ተሽከርከርቲ ዘካይደሉ ሰሙን ስለ ዝኾነ ተጠንቂቕና ክንዝዉር ከም ዘለና ኣብ ወግዓዊ ሓብሬታ ፖሊስ ሰፊሩ ኣሎ። እቲ ብዝያዳ ቅጽጽር ዝካየደሉ መንገድታታ ብፍላይ ኣብ ውሽጢ ከተማታትን ሰፈራትን ኮይኑ፣ ዝተፈቕደ ፍጥነት ክሳብ 70 ኪሎሜተር ኣብ ሰዓት (70 km/h) ዝኾነ መንገድታት እዩ።

I veckan genomför polisen extra hastighetskontroller i hela landet med fokus på tätbebyggda områden med skyltad hastighet upp till 70 km/h.

"Glad nationaldag, Sverige!Tack, Sverige, för att du ger mig mänsklighet, demokrati och frihet."ዘልኣለማዊ  ሰላም ነዛ ብርኽቲ ሃገረ ...
06/06/2026

"Glad nationaldag, Sverige!
Tack, Sverige, för att du ger mig mänsklighet, demokrati och frihet."

ዘልኣለማዊ ሰላም ነዛ ብርኽቲ ሃገረ ሽወደን !

ሓበሬታ ካብ Migrationsverket !ጽባሕ ቀዳም ዕለት 6 ሰነ 2026 ዜግነት ሽወደን ንምርካብ ተረርቲ ሕግታት ኣብ ግብሪ ዝዉዕልሉ መዓልቲ እዩ።ነዚ ኣብ ግምት ብምእታዉ እዚ ሓዱሽ ሕጊ...
05/06/2026

ሓበሬታ ካብ Migrationsverket !

ጽባሕ ቀዳም ዕለት 6 ሰነ 2026 ዜግነት ሽወደን ንምርካብ ተረርቲ ሕግታት ኣብ ግብሪ ዝዉዕልሉ መዓልቲ እዩ።

ነዚ ኣብ ግምት ብምእታዉ እዚ ሓዱሽ ሕጊ ኣብ ግብሪ ከይዋዓለ ከሎ ዜግነት ኣመልኪቶም ክጸንሑ ዝደልዩ ሰባት ብዝሖም ስለ ዝወሰኸ:ካብ ትማሊ ሓሙስ ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሩ ከምዚ ኣብ ስእሊ ትዕዘብዎ ዘለኹም :ዝኾነ ሰብ ብBankID ከመልክት ከም ዘይክእልን ቴክናካዊ ጸገማት ኣጋጢሙ ከም ዘሎን ኣብ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ Migrationsverket ተሓቢሩ ኣሎ።

ከም ናተይ ግምት ግን: ኣብዚ ዝመጽእ ወርሒ መስከረም ዝካየድ ምርጫ: ጸጋማዉያን ሰልፍታት ኣብ ምርጫ እንተተዓዊቶም እሞ:እዚ ሕጂ ዘሎ የማናዊ ሰልፊ ዝመርሖ መንግስቲ ሽወደን እንተተሳዒሩ: ነቶም ቅድሚ ዕለት 6 ሰነ 2026 ዜግነት ኣመልኪቶም ዝጸንሑ ሰባት: እዚ ሓዱሽ ተረርቲ ሕግታት ዜግነት ኣይክምልከቶን እዩ ዝብል መብጸዓ ኣትዮም ስለ ዘለዉ: ኣብ መወዳእታ ሰዓታት ብዝሒ ዘለዎ ሰብ ዜግነት ኣብ ምምልካት ተዋፊሮም ስለ ዝራኣዩ:ብፍላጥ ዝገበርዎ ኮይኑ እዩ ዝስመዓኒ።

መፍትሒ!

ሕጂ ዉን ዜግነት ኣመልኪትካ ምጽናሕ ርእሱ ዝኻኣለ ኣወንታዊ ዉጽኢት ክህልዎ ስለ ዝኽእል ሓንቲ መዓልቲ ተሪፋትኩም ስለ ዘላ : እቶም ብ BankID ዝኣብየኩም ዘለኹም ሰባት ዋላ ብወረቐት ኣመልኪትኩም: ፈሪምኩም ስካን ጌርኩም ናብዚ ኢመይል [email protected] ስደድዎ። መኽፈሊ ዱሓር ክሰድልኩም ስለ ዝኾኑ።

ተኽለወይኒ ኣስመላሽ
5 ሰነ 2026

ናይ ጽባሕ ዓርቢ ኣብ TikTok ዝግበር ናይ ሕቶን መልስን መደብ ብሰንኪ መገሻ ናብ ሰሉስ ዕለት 9 -06-2026 ሰዓት 21:00 ተሰጋጊሩ ኣሎ።
04/06/2026

ናይ ጽባሕ ዓርቢ ኣብ TikTok ዝግበር ናይ ሕቶን መልስን መደብ ብሰንኪ መገሻ ናብ ሰሉስ ዕለት 9 -06-2026 ሰዓት 21:00 ተሰጋጊሩ ኣሎ።

ናብ ሽወደን ስድራ ጥርናፈ ንዝገብር ሰብ ተሪር ሕጊ ክጸድቕ እማመ ቀሪቡ!ናብ ሽወደን ስድራ ጥርናፈ ንዝገብር ሰብ ኣታዊኡ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ መዐቀኒ ብ 30 % ክብ ክብል እዩ።እዚ...
03/06/2026

ናብ ሽወደን ስድራ ጥርናፈ ንዝገብር ሰብ ተሪር ሕጊ ክጸድቕ እማመ ቀሪቡ!

ናብ ሽወደን ስድራ ጥርናፈ ንዝገብር ሰብ ኣታዊኡ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ መዐቀኒ ብ 30 % ክብ ክብል እዩ።እዚ ሓደ ካብቲ መንግስቲ ሽወደን ንስደተኛታት ስድራቤቶም ናብ ሽወደን ናይ ምምጻእ መሰል ንምጽባብ ዝዓለመ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

እዚ ሓዱሽ እማመ ኣብ ግብሪ እንተዊዒሉ ካብ 1 ጥሪ 2027 ዝኾነ ሰብ ስድራቤቱ ናብ ሽወደን ንኸምጽእ እንተኾይኑ እቲ ኣብ ሽወደን ዝነበር ኣባል ስድራቤት፡ ድሕሪ ግብሪ 23 818 ክሮነር ክሕተተ ይግደድ። እዚ ማለት ከኣ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ክስረሓሉ ዝጸንሐ ኣሰራርሓ ናይ ርእስኻ ምኻል መስርሕ መዐቀኒ ብ 30% ክብ ክብል እዩ።

እዚ ሓዱሽ እማመ ኣብ ግብሪ እንተዊዒሉ፡ እቶም ብትምህርቲ ናብ ሽወደን ዝመጹ ተማሃሮ፡ ብምኽንያት ስድራ ጥርናፈ ሰብኣዮም/ሰበይቶም ወይ ውላዶም ናብ ሽወደን ከምጽኡ ኣይክእሉን እዮም።

ብዜካ እዚ፡ ብዙሓት ካብ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳን ስካንዲናቪያን ወጻኢ ዝመጹ ሰባት፡ ዋላ እቶም ናይ ዑቕባ ፍቃድ ዘለዎም ሰባት፡ ስድራቤቶም ናብ ሽወደን ከምጽኡ ከምጽኡ እንተኾይኖም ኣብ ሽወደን ብዉሕዱ ክልተ ዓመት ክነብሩ ኣለዎም። እዚ መንግስቲ ኣቐሪቡዎ ዘሎ እማመ ዝኮነ ሰብ ኣታዊታት ካብ (A-kassa) ወይ ካልእ ናይ መንግስቲ ሓገዛት ከም መዐቀኒ ኣታዊ ኣይቁጸሩን እዮም።

እንተኾነ ግን እዚ እማመ ብተቓወምቲ ሰልፍታት ከቢድ ተቓዉሞ ገጢምዎ ኣሎ። እቶም ተቓወምቲ ሰልፍታት፡ ነቶም ብሕጋዊ መንገዲ ዝመጹ ስድራቤታት ስድራቤቶም ንምጥርናፍ ዓቢ ዕንቅፋት ክኸዉን ይኽእል እዩ ይብሉ።

እዚ ሓዱሽ እማመ መንግስቲ ሽወደን ኣብ ግብሪ እንተዊዒሉ ካብ 1 ጥሪ 2027 ክጅመሩ መደብ ተታሒዙ ኣሎ። እንተኾነ ግን፡ ቅድሚ ሕጊ ምዃኑ፡ እቲ እማመ ኣብ ባይቶ ሽወደን ቀሪቡ ተቓባልነት ክረክብ ኣለዎ።

ተኽለወይኒ ኣስመላሽ
2026-06-03

ዋንጫ ዓለም ኣበይ ክንርኢ ንኽእል ፧ኣብ መላእ ሃገረ ሽወደን ዋንጫ ዓለም 2026 ብቐጥታ ንኸመሓላልፋ ፍቓድ ረኺበን ዘለዋ ባራት ክትፈልጡ ኣብዚ link ጠዉቑ። ኣብዘን ባራት ኬድኩም ዋንጫ ...
02/06/2026

ዋንጫ ዓለም ኣበይ ክንርኢ ንኽእል ፧

ኣብ መላእ ሃገረ ሽወደን ዋንጫ ዓለም 2026 ብቐጥታ ንኸመሓላልፋ ፍቓድ ረኺበን ዘለዋ ባራት ክትፈልጡ ኣብዚ link ጠዉቑ። ኣብዘን ባራት ኬድኩም ዋንጫ ዓለም ክትከታተሉ ትኽእሉ ኢኹም።ናብ ኩሉ share ምግባር ንተሓባበር።

Upptäck barer och restauranger i hela Sverige som visar Fotbolls-VM 2026! Vi listar alla ställen där du kan heja på Sverige.

Adress

Ångermannagatan 134
Stockholm
16265VÄLLINGBY

Öppettider

Måndag 09:00 - 15:00
Tisdag 09:00 - 15:00
Onsdag 09:00 - 15:00
Torsdag 09:00 - 15:00
Fredag 09:00 - 12:00

Telefon

+46762247121

Aviseringar

Var den första att veta och låt oss skicka ett mail när Delina Consulting AB postar nyheter och kampanjer. Din e-postadress kommer inte att användas för något annat ändamål, och du kan när som helst avbryta prenumerationen.

Kontakta Affären

Skicka ett meddelande till Delina Consulting AB:

Dela